Home ዜና ካብ ሰነ 14 /2015 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር...

ካብ ሰነ 14 /2015 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ክካየድ ዝፀንሐ ውድድር ሻምፒዬና ብሽክለታ ኢትዬጵያ ሎሚ ሰንበት ተዛዚሙ።

155
0

ሎማዓንቲ ሰንበት ኣብ ዝተሳለጠ 120 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝሸፈና ናይ ደቂ ተባዕትዬ ውድድር ብዛየሁ ተስፋኡ ተዓዊቱ ፅጋቡ ገ/ማርያምን ሙሉ ክንፈን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም። ብመሰረት እዚ ብዛየሁ ተስፋኡ ሻምፒዬና ብሽክለታ ኢትዬጵያ 2015 ዓ/ም ኮይኑ።


ብተመሳሳሊ ብደቂ ኣነስትዬ ኣብ ዝተሳለጠ 60 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ኣብ ዝሸፈነ ቅድድም ብሽክሌታ ፅጌ ካሕሳይ ካብ ትግራይ ቀኖ ኣለሙ ካብ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዬጲያ ራሄል ታመነ ድማ ካብ ትግራይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዘን ወድድረን ዛዚመን።
#ብክብሮም ተስፋይ

Previous articleፃውዒት ቤተ ጳጳስ ካቶሊካዊ ዓዲግራት ኣብ ምቕፃል ሰብኣዊ ሓገዝ
Next articleኤጀንሲ ምልማዕ ንግድን ሰደድን ትግራይ ምስ ኣመራርሓ ዝ/ያ ዘፈር መንግስታዊ ግልጋሎት፣ ዞባታትን ወረዳታትን ክረምታዊ ዕማማት መሰረት ብምግባር ዘተ ኣብ ምስላጥ ይርከብ።