Home ዜና ካብ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

ካብ ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ

1228

ፀላኢ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ሕዚ እውን ኩሉ ዓቕሙ ተጠቒሙ ሰፊሕ ርብርብ ይገብር ኣሎ፡፡ መከላኸሊ መስመርና ክሰብርን በዚ ኣቢሉ ድማ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ንምብስባስ ክገብሮ ዝኽእል ኩሉ ይገብር እኳ እንተሃለወ ክኾነሉ ግን ኣይከኣለን፡፡ ኩርዓትን ሓበንን ህዝቢ ትግራይ ዝኾንካ ጅግና ሰራዊትና ፀላኢ ዝጀመረልካ መጥቃዕቲ ብዝለዓለ ፅንዓት መኪትካ ዕርድኻ ከየድፈርካ ተካይዶ ዘለኻ ትኣምራዊ ተጋድሎ ታሪኻዊ እዩ፡፡

ኣብ ቅድሜኻ ዝንሀ ሓይሊ እቲ ትማሊ ትፈልጦን ደጋጊምካ ዝስዓርካዮን እዩ፡፡ ንሰላም ተሓሲሙ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ብዘተኣማምን መኪትካ ንዝለዓለ ተልእኾ ተዳሎ፡፡ ፀላኢ ንዝሓለፉ 5 ኣዋርሕ ናይ ሰላም ሓይሊ መሲሉ ዓለም ከደናግር እናሃውተተ ፀኒሑ እዩ፡፡ ንኵናት የድሊ እዩ ዝብሎ ኩሉ ዓይነት ምድላውን ምቅርራብን እናገበረ ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ገላፅን ተፈጥሮኣዊን ባህሪኡ ዝኾነ ብሓይሊ ባህጉን ሕልሙን ንምዕዋት ብግንባር ደቡብ ወራረ ጀሚሩ ኣሎ፡፡

ብምዕራብ ግንባር እውን መጥቃዕቲ ክጅምር ምቅርራብ ይገብር ከምዘሎ ብጥብቂ ንከታተሎ ዘለና እዩ፡፡ ፀላኢ ንዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ተፃብኦ ደው ኢሉ ናብ ሙሉእ ናይ ሰላምን ዘተን መፍትሕ ንምእታው ክግበር ዝፀንሐ ፃዕሪ መሊኡ ክዕፆ ይገብር ኣሎ፡፡ እዚ ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ስርዓት ንመንገዲ ሰላም ተሓሲሙ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኩለመዳይ ቅልውላውን ዘይምርግጋዕን ብኵናት ንምኽዋል ኢሉ ናብ ዝኸፍአ ህልቂትን ጥፍኣትን ዘእቱ ተግባር ይፍፅም ኣሎ፡፡

ካብ ኵናትን ዕግርግርን ወፃኢ ምንባር ዘይኽእል እዚ ፀረ ህዝቢ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ጥራሕ እንተዘይኮይኑ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ መሰለይ፣ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዴሞክራሲ፣ ዝበለን ዝሓተተን ህዝቢ እናጨፍጨፈ በብመዓልቱ ህይወት ንፁሃት ብከንቱ ክረግፍ ይገብር ኣሎ፡፡ ኣብ ኦሮሚያ፣ ዓፋር፣ ሶማል፣ ቤንሻንጉል፣ ጋምቤላ፣ ክልል ደቡብን ኣብ ህዝቢ ኣምሓራን ማእለያ ዘይበሉ ግፍዕን ህልቂትን ይፍፅም ኣሎ፡፡ ኩሉ ክግንዘቦ ዝግባእ ፀላኢ እዚ እዩ ባህሪኡ፤ እዚ እውን እዩ ዝገብር ዘሎ፡፡ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላምን ዘተን ዘለዎም ቅሩብነት ካብ ምግላፅ ሓሊፎም ብተግባር እውን ኩሉ ክግበር ዝግብኦ ፃዕሪ እናገበሩ ፀኒሖም እዮም፡፡ ኣብ ንቡር እዋን ኮይንና ኣይኮንናን ሰላም ተመኒና፡፡

ንሰላም ኢልና ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ኩሉ ዓይነት መከራን ስቓይን ተሸኪምና፣ ብጥምየትን ሕማምን በብመዓልቱ ህይወት እናገበርና ኢና ንሰላም ኢድና ዘርጊሕና ፀኒሕና፡፡ ካብ ሎሚ ፅባሕ መፍትሕ ክመፅእ እዩ ኢልና ንምሽካሙ ዝኸብድ ዓፀቦ ተሸኪምና፣ ልቢ ገዚእና ክንፅበ ፀኒሕና፡፡ ሕዚ እውን ዘላቒ መፍትሕ ዝመፅእ ብሰላምን ዘተን ምዃኑ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ዘይንቕነቕ ፅኑዕ እምነትና እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ሰላም ንሕና ጥራሕ ስለዝደለናዮን ዝተመነይናዮን ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ፀላኢ መንገዲ ሰላም ነፂጉ በቲ ዝጀመሮ ዝቕፅል እንተኾይኑ ንሃለዋትናን ዘላቒ ድሕንነትናን ክንብል ስጉምቲ ክንውስድ ንግደድ ምህላውና ማሕበረሰብ ዓለም ኮነ ህዝብታትን ሓይልታትን ኢትዮጵያ ክግንዘቡ ይግባእ፡፡

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!

ትግራይ ትስዕር!!

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም

መቐለ