Home ቢዝነስ ካብ ዘለናሉ ቁጠባዊ ፀገም ቀልጢፍና ክንትስእ ኢና ኢሎም ኣብ ስራሕቲ ሓፂነ መፂን...

ካብ ዘለናሉ ቁጠባዊ ፀገም ቀልጢፍና ክንትስእ ኢና ኢሎም ኣብ ስራሕቲ ሓፂነ መፂን ዝተዋፈሩ መናእሰይ  ክፍለ ከተማ ሰሜን ከተማ መቐለ

398

ፀላእትና ሃፍትናን ንብረትናን እምበር ክእለትናን ፍልጠትናን ስለዘይወሰድዎ ካብ ዘለና ቁጠባዊ ፀገም ቀልጢፍና ክንትስእ ኢና ኢሎም ኣብ ስራሕቲ ሓፂነ መፂን ዝተዋፈሩ መናእሰይ  ክፍለ ከተማ ሰሜን ::

መንእሰይ ኤፍሬም ጀማል ይባሃል ቅድሚ 15 ዓመታት እዩ ካብ ቴክኒክን ሞያን ተመሪቑ ሒዙዎ ብዝወፀ ክእለትን ሞያን ኤፍሬም ጀማል እንዳስትሪያል እንጅነሪንግ ዝባሃል ትካል ከፊቱ ናብ ስራሕቲ ብረታብረትን ሞዲፊኬሽንን ዝተዋፈረ ፡ ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ትካሉ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዕብየት በፂሑ ምንባሩ የዘኻኻር ።    

ድሕሪ እቲ ኲናት ግን ኣብ ትካሉን ሰራሕተኛታቱን ዓብይ ዕንወት ከም ዘጋጠሞ ዩ ዝዛረብ መንእሰይ ኤፍሬም ጀማል ።

መንእሰይ ኤፍሬም ከም ኩሉ ትግራዋይ ንህላወ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝተጋደለ ዉን ኣዋጊዑና ዩ ፡ ፀላእትና ሃፍትናን ንብረትናን ይዉረርዎ  እምበር ፍልጠትናን ዓቕምናን ምሳና ዩ ዘሎ ይብል ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ድማ ተጠናኺሩ ክቕፅል ናይ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ሓላፍነት ምዃኑ ብምግላፅ

ኣረጋዊ ሓጎስ ካብቶም ኣብ መኸተ ዝፀንሑ ተጋደልቲ ትግራይ ሓደ ኮይኑ ኤፍሬም ጀማል ኢንጅነሪንግ ዕድል ስራሕ ካብ ዝፈጠረሎም ተጠቃሲ ዩ ።             

ኣብ መኸተ ካብ ዝፀንሑ ተጋደልቲ ሓደ እየ ዝበለ ግርማይ ደበሳይ ዉን ኣብቲ ትካል ተቖፂሩ ካብ ዋርዳያ ክሳብ ሞያ ምዉናን  ከም ዝበፀሐን ዓብይ ስነ ልቦናዊ ዕግበት ከም ዝፈጠረሉን ዩ ዝዛረብ ።

 ካልኦት ኣብቲ ትካል ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረሎም መናእሰይ ዉን ክእለትን ሞያን ካብ ምጭባጥ ብተወሳኺ ካልኦት ኣብ ከምዚ ዓይነትን ተዛማድን ስራሕ ዝዋፈሩ ወገናት ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ካብ ስደትን ሞትን ክደሕኑ ይግባእ ኢሉ።          

ኤፍሬም ጀማል ኢንፋስትሪያል  ኢንጅነሪንግ ንልዕሊ 20 ወገናት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ከም  ዝርከብ ዝገለፀ መንእሰይ ኤፍሬም ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ትግራይ ዉፂኢታዊ ኮይኑ ክቕፅል መንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ክህበሉ ኣለዎ ክብል ሪኢትኡ ገሊፁ ።

                ዮሃንስ ብርሃነ