Home ዜና ካብ ገንዘብ ሰብኣውነት ዘቐደሙ ሰብ ሕልና

ካብ ገንዘብ ሰብኣውነት ዘቐደሙ ሰብ ሕልና

551

ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝነባርነተን ትግራወይቲ ወ/ሮ ኣልማዝ ግርማይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተፀገሙ ወገናትና እንሕግዘሉ እምበር ካብ ስኡናት ወገናትና ገንዘብ እንእክበሉ እዋን ኣይኮነን ብምባል ክራይ ገዛ ክልተ ዓመት ንተኻረይተን ምሕረት ገይረን።

ወ/ሮ ምፅላል በላይ ይባሃላ ነባሪት ከተማ መቐለ እየንⵆ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ትግራይ ዘስዓቦ ዕፅዋን ዓፀባን ንኸቢድ ቑጠባውን ማሕበራውን ፀገም ተሳጢሐን ይርከባ።ኣብ ልዕሊ ፀገመን እውን ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዘይተኸፈለ ውዙፍ ክራይ ገዛ የጨንቐን ነይሩ።

ሐዚ ግና ሰብ ዋና ገዛ ኣብ ገዝኦም ንዝተኻረዩ 8 ተኻረይቲ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ናይ ፀበባ ዓመታት ገዛ ኽራይ ኣይትኸፍሉን ሓዲግናልኩም ኣለና ስለ ዝበልዎም ሓጎሰን ወሰን ከምዘይብሉ ዝገለፃ ወ/ሮ ምፅላል በዚ እዉን 48 ሽሕ ቅርሺ ከምዝተሰረዘለን ይዛረባ።

ወ/ሮ ፅጌ ታደሰን ኣይተ ገብረሂወት ገብረወልድን እውን ካብ ክፍሊት ክራይ ገዛ ነፃ ካብ ዝኾኑ ተኻረይቲ ኮይኖም ንዝተገበረሎም ሰናይ ተግባር ብምንኣድ ብኣንፃሩ ድማ ክራይ ገዛ እንተዘይከፊልኩም ውፁ እናበሉ ወገናቶም ዘንገላትዑ ኣካረይቲ ገዛ እውን ከም ዘለው ተዛሪቦም።

ነዚ ሰናይ ተግባር ዝፈፀሙ ብዓልቲ እንዳ ኣይተ መለስ ሃይለ ወ/ሮ ኣልማዝ ግርማይ ብግደአን ኣብ ፀባብ እዋን ነንባዕልና እንተሓጋገዘሉ እምበር ካብ ዝተፀገመ ወገንና ቅርሺ እንእክበሉ እዋን ኣይኮነን ኢለን።

#ብብርሃነ መስፍን