Home ዜና ክረምታዊ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ

ክረምታዊ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ

549

ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ወረዳ እንደርታ ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጦም። ኣብተን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዞባታትን ወረዳታትን ንዘካየድ ክረምታዊ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ 2015/16 ዓ/ም ብዕሊ ንምጅማር ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝተረኸቡ ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሕውየት ትግራይ ክነረጋግፅ እንተኾይንና ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ብምሕዋይ ምዃኑ ሓቢሮም። እቲ ሎሚ ብዕሊ ተጀሚሩ ዘሎ ወፍሪ ተኸላ እውን አካል እቲ ሕውየት ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብ ተኸላ ፈልሲ ክረባረብን ዝተተኸለ ተኽሊ ብኣግባቡ ክንክን ክገብረሉ ይግባእ ኢሎም ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ ብወገኖም ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኩናት በሪሱ እዩ ፤ነዚ ዝበረሰ ደኒ ዳግም ንምሕዋይ ድማ ኩሉ ሕብረተሰብ ብርሰት ደኒ ጠጠው ክብል ኣብዚ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ክረባረብ ፀዊዖም። ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ኣይተ ሓይሽ ሱባጋድስ ብወገኖም እዚ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተጀመረ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ዝበረሰ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ንምሕዋይ ግደ መናእሰይ ዝልዓለ ብምዃኑ መናእሰይ ብመርሕነት ንምዕዋት ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

#በላይሽፈራው