Home ዜና ክካየድ ዝፀንሐ ብሄራዊ መልቀቒ ፈተና 8ይ ክፍሊ ተዛዚሙ::

ክካየድ ዝፀንሐ ብሄራዊ መልቀቒ ፈተና 8ይ ክፍሊ ተዛዚሙ::

560

ካብ 28 ሰነ ጀሚሩ ክካየድ ዝፀንሐ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ተዛዚሙ ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዘመሓድሮም ከባቢታት ትግራይ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ንዝሓለፉ 3 መዓልታት ክውሃብ ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ወረዳ ሓውዜን ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ምክያዱ 2400 ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ ዝፍተኑ ተምሃሮ እኳ እንተነበሩ ድሕሪ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝምዕብል ዘሎ ሰላም ስዒቡ ኣብ ዝተጀመረ ትምህርቲ 607 ደ/ኣነስትዮ ዝርከበኦም 1348 ተምሃሮ ጥራሕ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ኣብ 31 መፈተኒ ናቑጣ ብሄራዊ ፈተና ከምዝወሰዱ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ሓውዜን መ/ር ኪዱ ሃይሉ ኣፍሊጦም ።

በቲ ጀኖሳይድ ወራር ስዒቡ ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ትምህርትን ሃፍትን ከቢድ ዕንወትን ስነ-ልቦናዊ በሰላ ከም ዝበፅሐ ዝሓበሩ መ/ር ኪዱ ሃይሉ ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ፣ ኣብ ውሽጥን ደገን ምስ ዝርከቡ ተወለድትን ፈተውትን ርክብ ብምፍጣር ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ቀዳመ ሰንበት ሓዊሰን ከምህራ ብምግባር መልቀቒ 8ይ ክፍሊ ይኹን ፣ ኣጠቓላሊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር እታ ወረዳ ዕውት ምንባሩ ኣረዲኦም።እዚ ከምዚ እንሃለወ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ 28 ክሳብ 30 ሰነ 2015 ዓ.ም እናተውሃበ ዝፀንሐ ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝተዛዘመ ድማ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲኦም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት እናተውሃበ ዝፀንሐ ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ምዝዛሙ ኣፍሊጡ።እቶም ሓላፊ ከይዲ እቲ ፈተና ብዕዉት መልክዑ ንኽዛዘም እወንታዊ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ መምህራን፣ ኣብ ኩሉ ብርኪ መሪሕነት ዝርከቡ ኣመራርሓ ትምህርቲ፣ መሓውር ፀጥታ፣ ወለድን ተምሃሮን ምስጋና ኣቕሪቦም።