Home ዜና ኮንፈረንስ ሆስፒታል መቐለ

ኮንፈረንስ ሆስፒታል መቐለ

473

ሆስፒታል መቐለ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መከራን መኸተን እዋናት ሰራሕተኛታት ንዘበርከትዎ ዝነኣድ ስራሕ ኣፍልጦ ሂቡ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ስዒቡ ኩለን ትካላት ጥዕና ግልጋሎት ኣብ ዘይህባሉ ዝነበራ እዋን ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ በረኻን ካልኦትን ኣብ ዝተበተነሉ ግዘ ዝነበሩ ኩሎም ከበድቲ ፀገማት ተፃዊሮም ኣብ ፀበባ ንዝነበረ ህዝቦም ግልጋሎት ሕክምና ንምሃብ ዘርአይዎ ውፍይነት መርኣያ ኩሎም ሰብ ሞያ ጥዕና እዩ ዝበሉ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስፒታል ዶክተር ፊልሞን መሰፍን በዚ ተግባሮም ኣብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ዝነብር ታሪኽ ከምዝሰርሑን ክኾርዑ ከምዝግባእን ሓቢሮም፡፡

 ኣባል ቦርድ ኣመራርሓ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ ዳርቻ  መላእ ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ንዝፈፀምዎ ቃልሲ ዘለዎም ክብሪ ብምግላፅ እቲ ሆስፒታል ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምዕባይን ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ብዝተኽኣለ መልክዑ ንምክሓስን ከምዝፅዕሩ ቃል ኣትዮም፡፡

ሰራሕተኛታት ሆስፒታል መቐለ ብግደኦም ልክዕ ከምቲ መላእ ህዝቢ መከራ ተሰኪሞም ህዝቦም ምግልጋሎም ኣዝዮም ከምዝሕበኑን ንቀፃሊ እውን ብዝበለፀ ኣብ ሕውየት ትግራይ እጃሞም ከምዘበርክቱን ብምግላፅ መንግሰቲ ድማ ነቲ ብዝለዓለ መዳይ ተሃስዩ ዘሎ በዓል ሞያ ጥዕና  ስነኣእምራዊ ሕውየት ብዝምለስ መንገዲ ክሕግዞን ክሳብ ሐዚ ዘይተውሃቦ መሃይኡ ንክረክብ ክፅዕር  ተላብዮም፡፡

ኣብቲ ሓፈሻዊ ሆስፒታል መቐለ ዘዳለዋ ዓመታዊ ኮንፈረንስ ኣብቲ መድረኽ ሓገዛት ንዝገብሩ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ የቐንየልና ኣፍልጦ ተዋሂቡ፡፡