Home ዜና ኲናት ዝወለዶ ጥሜት ኢትዮጵያ

ኲናት ዝወለዶ ጥሜት ኢትዮጵያ

486

ኣብ ትሕቲ ውድብ ምግቢ ዓለም ቅድመ መጠንቀቕታ ጥሜት ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፤ ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ዘመነ ምህርቲ ብኸቢድ ጥሜት ከምዝተጠቕት ኣመላኺቱ፡፡

ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ፤ መብዛሕቲኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሕፅረት ምግቢ ዝቃለዐሉ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ትካል ቅድመ መጠንቀቕታ ንጥሜት፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ግን ኣብ ዝኸፍአ ብርኪ በፂሑ ምህላዉ ጠቒሱ፡፡

ንኽልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ቁፅሪ ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ንጥሜት ዝተቓልዐ ህዝብን ተጋዲዱ ምህላዉ ዘመላኸተ እቲ ፀብፃብ፤ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ድርቂ ድማ ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ ምህላዉ ሓቢሩ፡፡

ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ መዕቖቢታት ሰፊሩ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፤ ምስ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ጥሜት በፂሑ ኣሎ፡፡ ነዚ ድማ ህፁፅ ፍታሕ ክወሃቦ ይግባእ ዝበለ ፀብፃብ  ቅድመ መጠንቀቕታ ጥሜት፤  እዋን ቀውዒ ክሳብ ዝበፅሕ እቲ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተሳጢሑ ምህላዉ ኣመላኺቱ፡፡

ንዓፀባ ጥሜት ተቓሊዑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፤ ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃ ጥሜት ማለት ደረጃ ሓሙሽተን ኣርባዕተን በፂሑ ምህላዉ ዘመላኸተ እቲ ፀብፃብ፤  ብፍላይ ኣብ ገጠራትን መዕቖቢ ተመዛበልቲን ዘሎ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘሎ ኣረዲኡ

ብገ/ሄር ሃይሉ