Home ዜና ወረርቲ ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ናብ ተሓታቲነት ክሰጋገር ክስራሕ ይግባእ-...

ወረርቲ ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ናብ ተሓታቲነት ክሰጋገር ክስራሕ ይግባእ- ኮሚሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ

636

ወረርቲ ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ንምፅራይ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መፅናዕቲ ናብ ተሓታቲነት ክሰጋገር ከም ተጋሩ ፖለቲካዊ ቃልስና ክነሐይል ይግባእ ክብል ኮሚሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ኣገንዚቡ።

እቲ ኮሚሽን ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዘውፅኦ ፀብፃብን ቀፀልቲ ዕማማትን ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትዩ።
                 
ኮማሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ወረርቲ ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ንምፅራይ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዘውፅኦ ፀብፃብን ቀፀልቲ ዕማማትን ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትዩ።

እቲ ዘይሻራዊ ጉጅለ ዝወሰዶ ተበግሶ ዝነኣድን ተግባር ጆኖሳይድ ከም ዝተፈፀመ ዘመላኽትን እዩ ክብሉ ዘረደኡ ነቲ ፀብፃብ መበገሲ ገይሮም መፅናዕቲ ዘቕረቡ ኣብቲ ኮሚሽን ላዕለዋይ ተመራማሪ ሰብኣዊ ኪሳራ ኣይተ ገብረመስቀል ሃይሉ እዮም።

ጥንኩር ጎድኒ እቲ ጉጅለ ከም ዘሎ ኮይኑ ገበን ኣብ ምስዋርን ተወስኽቲ ዕምቆት ዝሓቱ መረዳእታት ኣብ ምእካብን ግና ሕዚ እውን ትኹረት ሂቡ ከፅንዕ ይግባእ ኢሎም ኣይተ ገብረ መስቀል።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብጊድኦም ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘውፅኦ ፀብፃብ ከም መረዳእታ ተጠቒምና፣ተወሰኽቲ መረዳእታ ንምእካብን ተሓታትነት ንምርግጋፅን ፖለቲካዊ ቆራፅነት ክህልወና ይግባእ ዝበሉ ኮይኖም ብሕልፊ ምስ ምስዋር መረዳእታን ብመደብ ወይ ኮነ ተባሂሉ ኣብ ዝተፈፀሙ ገበናትን ጠመተ ተዋሃቡ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ ርኢቶ ሃቦም።

ወረርቲ ሓይሊታት ፅንተት ኣብ ትግራይ ዝፈፀምዎ ገበን ንምፅራይ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ዝጀመሮ መፅናዕቲ ንግዚኡ ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ ማለት እቲ በቲ ዝኣከቦ መረዳእታ ተሓታትነት ክህልው ኣይሰርሕን ማለት ኣይኮነን ዝበሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን መፅናዕቲ ጆኖሳይድ ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር የማነ ዘርኣይ ከም ተጋሩ ድማ ዝተማለአ ተወሳኺ መረዳእታ ክእከብን እቲ ዝወፀ ፀብፃብ ናብ ተሓታትነት ክሰጋገርን ብዝተወደበ መንገዲ ቃልስና ክነሐይል ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ንምፅራይ ዝተጣየሸ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ሰብ ሞያ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ንግዚኡ ጠጠው ኣቢለዮ ዝበሎ ተወሳኺ ምርመራ ክቕፅል፣ኣብ ኢድ ፀላኢ ወዲቖም ዘለው ንተበፃሕነቶም ዘፀግሙ ግዝኣታት ትግራይ እውን ናፃን ዘይሻራውን ብዝኾነ መንገዲ ክፅንዑ ይግባእ መልእኽቲ እቲ ዘተ እዩ።