Home ዜና ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ወረዳ ኢሮብ ከተማ ደውሃን ከይሓልፍ...

ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ንልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ናብ ወረዳ ኢሮብ ከተማ ደውሃን ከይሓልፍ ኬላ ዘርጊሑ ብግዲ መሊስዎ።

249
0

ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ምዉፀኡን ዘይምዉፅኡን ንምርግጋፅ ናብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝተጓዓዘ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዉሽጢ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ኬላ ምስ ዝዘርገሐ ሰራዊት ኤርትራ ፊት ንፊት ተራኺቡ።

ጉጅለ ተልእኾ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ሕብረት ኣፍሪካ [AU Monitoring, Verification and Compliance Mission (AU-MVCM)] ትማሊ ጉንበት 03/2015 ዓ/ም ናብ ዛላንበሳን ዶዉሃንን እንትጓዓዝ ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያ ኣብ ከባቢ ሶቮያ ኬላ ተኺሉ ኣይትሓልፍን ኢሉ ከም ዝመለሶ ምምሕዳር ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣፍሊጡ ።

እቲ ጉጅለ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ንምርግጋፅን ኩነታት ፀጥታ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ንምዕዛብን ናብ ዓዲ ግራት ተጓዒዙ ፈለማ ምስ ኣመራርሓ እቲ ዞባ ከም ዝተራኸበን እቲ ወራሪ ሰራዊት ሐዚ እዉን ወሪሩ ኣብ ዝሓዞም ቦታታት ኢሮብን ጎሎመኻዳን ገበናት ይፍፅም ከም ዘሎ መብርሂ ከም ዝተዉሃበ ሓላፊ ሰላምን ድሕንነትን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኪዱ ገብረፃድቃን ንቴሌቭዥን ትግራይ ብስልኪ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓቢሮም።

እቲ ጉጅለ ነዚ መረዳእታ ሒዙ ባዕለይ ብኣካል ከይደ ከረጋግፅ ኢሉ ናብ ዶዉሃን ኣብ ዝተበገሰሉ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ዓጋረለኾማ ፍሉይ ቦታ ዒንጋል ኬላ ምስ ዝዘርገሐ ሰራዊት ኤርትራ ጎፍንጎፍ ከም ዝተራኸበን እቲ ወራሪ ሰራዊት ኣይትሓልፍን ኢሉ ክምለስ ከም ዝገበሮ ሓቢሮም።ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ህዝቢ ኢሮብ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይኣቱ ኣብቲ ቦታ ኮይኑ ትካላት ኣቕረብቲ ሓገዝ እናኸልከሎም ከም ዘሎ እናተገለፀ ዝመፀ እንትኾን ከም ኣጋጣሚ ድማ ትማሊ ናበቲ ቦታ ዘቕነዐ ጉጅለ ተልእኾ ምክትታል፣ ምርግጋፅን ምኽባርን ሕብረት ኣፍሪካ ንህዝቢ ኢሮብ ሓገዝ ዝፀዓኑ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት #OCHA ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተኸልኪሎም ኣብኡ ከም ዝፀንሕዎ ብዓይኖም ተዓዚቦም ኣረጋጊፆም ከም ዘለዉ እዉን እቲ ምምሕዳር ኣፍሊጡ።

ጀኖሳይዳዊ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮብ ጣብያታት እንዳልጌዳ፣ወራዕትለ፣ዓጋረለኾማ፣ዓሊተናን ዓይጋን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ጌሩ ገበናት መርሸንትን መጭወይትን፣ስርቂን ዕንወት ትካላትን ይፍፅም ከም ዘሎ ኣይተ ኪዱ ሓቢሮም።

ኣብተን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከባ ጣብያታት ወረዳ ኢሮብ 23 ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣርባዕተ ጣብያ ጥዕናን ካልኦት ትካላት ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ኮይኖም ከም ዝርከቡን ኣብቲ ከባቢ ትምህርቲ ንምጅማርን እታወታት ሕርሻ ንምብፃሕን ከም ዘይተኽኣለ ወሲኾም ሓቢሮም።ብተመሳሳሊ እቲ ወራሪ ሰራዊት ኣብ ወረዳ ጎሎመኸዳ ጣብያታት ገጠርን ከተማን ሶቮያ፣ ማርታ፣ኣዲስ ኣለም፣ኣዲስ ተስፋ፣ሸዊት ለምለምን ተቖፃፂሩ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ተግባራት ጭዉያ፣ቅትለት፣ዓመፅ ደቂኣንስትዮን ዕንወት ትካላትን ይፍፅም ከም ዘሎ ኣይተ ኪዱ ገ/ፃድቃን ኣብሪሆም።ብሰንኪ እዚ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዛጊድ ኣበተን ወሪሩ ሒዝወን ዝርከብ ጣብያታት 16 ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣርባዕተ ኬላታት ጥዕና ዝርከባ እንትኾና ዛጊድ ግልጋሎት ከምዘይህባን ብስሩ እዉን ህዝቢ እቲ ኸባቢ እታወታት ሕርሻ ኮነ ካልኦት ግልጋሎታት ከይረክብ ከም ዝገበሮ ኢዩ።

ብከንቲባ እትመሓደር ከተማ ዛላንበሳ እዉን እንትኾነ ኣብ ኢድ እቲ ወራሪ ሰራዊት ከም እትርከብን ኣብታ ከተማ እዉን ሓደ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝርከቦ ሓሙሽተ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሓደ ጣብያ ጥዕናን ካልኦት ወሃብቲ ግልጋሎት ትካላትን እኳ እንተሃለዉ ብሰንኪ እቲ ወራሪ ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ከም ዝኾኑ ተሓቢሩ።

መንግስታት ሕብረት ኣውርጳ፣ኣሜሪካን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዉን ዓለም ለኻውያን ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ድሕሪ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈፀመ ስምምዕነት ዘላቒ ቶኽሲ ጠጠዉ ምባል ሰራዊት ኤርትራ ሐዚ እዉን ካብ ሉዓላዊ መሬት ትግራይ ከምዘይወፀን ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ከይዲ ሰላም ዘዐንቅፉ ተግባር ይፍፅም ከም ዘሎ ብምሕባር ቀልጢፉ ክወፅእ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ

Previous articleምንባር እምነ ሰረት ዕዳጋ ዓርቢ ዓዲኣሕፈሮም
Next articleኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሼርማን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ይግባእ ኢሎም።