Home ዜና ወራር ሓሰኻ ባርኖስ ኣሜሪካ ኣብ ቆላ ተምቤን

ወራር ሓሰኻ ባርኖስ ኣሜሪካ ኣብ ቆላ ተምቤን

622

ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣብ 8 ጣብያታት ብበዝሒ ኣብ 16 ጣብያታት ድማ ብክፋል ሓሰኻ ባርኖስ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት የብፅሕ ከም ዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ቃንጫ ዝፍሕር ሓሰኻ እዉን ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዒልቦን ምሸላን ጉድኣት የብፅሕ ምህላዉ ሓረስቶትን ሰብ ሞያ ሕርሻን ገሊፆም። ኣብ ወረዳ ቆላ ተምቤን ነበርቲ ጣብያ ምረረ ዝኾኑ ሓረስቶት ባህላዊ ድኹዒ ኮምፖስት ተጠቒሞም ዝዘርእዎ ዝራእቶም ኣብ ፅቡቕ ብርኪ እኳ በፂሑ እንትሃለወ ሕፅረት ፀረ ባልዕ ብምህላው ብሓሰኻታት ባርኖስን ቓንጫ ፈሓርን ዝራእቶም ከይብላዕ ኣብ ሓደጋ ስግኣት ከምዘሎው ገሊፆም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ቆላ ተምቤን ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ዝራእትን ሆልቲ ካልቸርን ኣይተ ወልዳይ ገ/ኣብሄር ኣብታ ወረዳ ዘሎ ተጠባባቒ 500 ሊትሮ ካራቴ ኬሚካል ናብተን ዝተጠቕዓ ከባብታት ንምብፃሕን ነቶም ባልዓት ንምክልኻልን ክኢላታትን መጉዓዝያን ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ገ/መድህን ተ/መድህን