Home ዜና ወራር ባልዓት ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ

ወራር ባልዓት ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ

292
0

ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣብ ጣብያታት ስምረት፣ጌራ፣ስየ፣እምባ ሩፋኤልን ካልኦት ከባብታትን ባልዓት ሓሰኻ ባርኖስ፣ቓንጫ ፈሓርን ኣምበጣን ኣብ ዝራእቲ ሓረስቶት ጉድኣት የብፅሑ ከምዘለዉ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ነቶም ባልዓት ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ኣስታት 500 ሄክታር ብዝራእቲ ዝተሸፈነ መሬት 210 ሊትሮ ኬሚካል ፀረ-ባልዕ ከምዝተነፀገ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ኣይተ ኣለማዪ ገብረማርያም ገሊፆም።

ሓረስቶት ካብ ነፀጋ ኬሚካል ፀረ ባልዕ ብተወሳኺ ብባህላዊ መንገዲ ንምክልኻል ኣብ ምርብራብ ከምዘለዉን ናብ ካልኦት ከባብታት ቕድሚ ምስፍሕፈሖም ብብዙሕ ፃዕሪ ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ዕቤት ዝርከብ ዝራእቲ በቶም ባልዓት ሓደጋ ከይበፀሖ ንምክልኻል ኩሉ ክረባረብ ቤት ፅሕፈት ዘፍውር ቁጠባ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ፀዊዑ።

ገብረመድህን ተወልደመድህን

Previous articleሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ ልዕሊ ሽድሽተ ሚኢቲ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብምስንባት ናብ ቤተሰቦም ክምለሱ ገይሩ።
Next articleኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ምፅራይ ዓሌት ኣብ ዝፍፅሙ ዘለው ሓይልታት ፅንተት ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም ኣባላት ኮንግረንስ ኣሜረካ።