Home ዜና ወራር ባልዕ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ

ወራር ባልዕ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ

505

ኣብ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣብ ጣብያታት ስምረት፣ ጌራ ፣ ስየ፣ እንዳ ሩፋኤልን ካልኦት ከባብታትን ባልዕ ሓሰኻ ባርኖስ ፣ቓንጫ ፈሓርን ኣምበጣን ኣብ ዝራእቲ ሓረስቶት ጉድኣት የብፅሑ ከምዘለዉ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ነቶም ባልዓት ንምክልኻል ኣብ ልዕሊ ኣስታት 500 ሄክታር መሬት 210 ሊትሮ ኬሚካል መድሓኒት ፀረ ባልዕ ከምዝተነፀገ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ኣይተ ኣለማዪ ገብረማርያም ገሊፆም።

ሓረስቶት ካብ ነፀጋ ኬሚካል ፀረ ባልዕ ብተወሳኺ ብባህላዊ መንገዲ ንምክልኻል ኣብ ምርብራብ ከምዘለዉን ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ዕቤት ዝርከብ ዝራእቲ ንኸይንኪ ኩሉ ኣብ ምክልኻል ክረባረብ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ፀዊዑ።