Home ዜና ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ

ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ

555

ኣብ መዋሰንታት ክልል ዓፋር ዝርከባ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዕስለ ኣምበጣ ከምዝተርኣየ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ዞባ ቅድሚ ሐዚ እውን ኣብ ክልል ዓፋር ዕስለ ኣምበጣ ይጭጫሕ ከምዘሎን ናብ ትግራይ ናይ ምእታው ተክእልኡ ሰፊሕ ከምዝኾነ ክገልፅ ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ ስዓት ድማ ኣብ መዋሰንቲ ወረዳታት ትግራይ ከምዝኣተወን ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ራያ ጨርጨር፣ ራያ ኣላማጣን ራያ ዓዘቦን ብሰፊሑ ከጥቅዕ ከምዝኽእልን ተሓቢሩ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝራእቲ ሓረስታይ ከብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልካል ድማ ምስ ሓለፍትን ክኢላታት ሕርሻን እተን ወረዳታት ብምትሕብባር ክትትልን ተፍትሽን ይግበር ከምዘሎ ሓላፊ ዘፈር ቁጠባ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ባራኺ ሃፍቱ ሓቢሮም።

እቲ ዕስለ ኣምበጣ ቅድሚ 3 ዓመታት እውን ካብ ዓፋር ተላዒሉ ናብ ዞባታት ደቡብ፣ደቡብ ምብራቕ፣ምብራቕን ማእኸልን ካልኦት ከባቢታትን ትግራይ ተዛሚቱ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ዝራእቲ ሓረስታይ ትግራይ ዘብፅሖ ሃሰያ ከቢድ ሓደጋ ኣብፂሑ እዩ።

ነዚ ብምግንዛብ ድማ ንምስፍሕፋሕ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ብኣጋ ንምክልኻል ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ድጋፍን ክትትልን ክገብሩ እውን ፃውዒት ቀሪቡ እዩ።

#ኣስናቀ_መሓመድ