Home ዜና ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ኣብ ምርግጋዕ ክትሰርሕ እያ- ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና

ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ኣብ ምርግጋዕ ክትሰርሕ እያ- ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና

108
0

ብሰንኪ ናህሪ ዕዳጋ መሰረታዊ ሸቀጣት ኣብ ሕብረተሰብ ዝበፅሕ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ምንካይ ኣበርቲዓ ከምትሰርሕ ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና ኣፍሊጣ፡፡

እታ ትካል ነዚ ዝገለፀት ዓመታዊ ስሩዕ ቀዳማይ ጉባኤኣ ኣብ ዘሳለጠትሉ መድረኽ እዩ፡፡

ኣብ 2013 ዓ/ም ዝተመስረተት ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና ፤ ኣብ ሕብረተሰብ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም ናህሪ ዕዳጋ መሰረታዊ ሸቀጣት ኣብ ምርግጋዕ እናሰርሐት ከምዝፀንሐት እዩ ዝግለፅ።

እቲ ዝነበራ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኩናት አብ መዳይ ቁጠባ ሃሰያ ከም ዝበፅሐ ዋና ስራሕ ኣካያዲ ኩለ መዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና ኣይተ መሓሪ ኣድሓና ገሊፆም።

ኣባላት እታ ማሕበር ብወገኖም በታ ማሕበር ተረባሕቲ ከም ዝኮኑ ብምግላፅ ኩሉ ኣብ ጎኒ እታ ማሕበር ክከውንን ግዝያዊ መንግስቲ ነዚ ተግባር ሓጋዛይ ክኸውን ፀዊዖም።

እታ ማሕበር ኣብ 2016 ዓ/ም ሓዱሽ ዓመት ኣታዊኣ ክብ ብምባል ኣብ ሕብረተሰብ ዝበፅሕ ዘሎ ቁጠባዊ ፅዕንቶ ናህሪ ዋጋ መሰረታዊ ሸቀጣት ንምንካይ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ሓቢሮም።

Previous articleፋይናንሳዊ ፀገም ትግራይ ንምፍታሕ ንምትእኽኻብ ዉሽጣዊ ሃፍቲ ብትኹረት ክስራሕ እዩ- በዓል መዚ ልምዓት እቶት ትግራይ
Next articleከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር 2016 ዓ/ም ንምጅማር ፀገም ናውትን መምሃሪ ክፍልታትን ከምዘጋጠሞ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ መኾኒ ገሊፁ።