Home ዜና ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ኣብ ምርግጋዕ ክትሰርሕ እያ- ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና

ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ኣብ ምርግጋዕ ክትሰርሕ እያ- ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና

490

ብሰንኪ ናህሪ ዕዳጋ መሰረታዊ ሸቀጣት ኣብ ሕብረተሰብ ዝበፅሕ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ምንካይ ኣበርቲዓ ከምትሰርሕ ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና ኣፍሊጣ፡፡

እታ ትካል ነዚ ዝገለፀት ዓመታዊ ስሩዕ ቀዳማይ ጉባኤኣ ኣብ ዘሳለጠትሉ መድረኽ እዩ፡፡

ኣብ 2013 ዓ/ም ዝተመስረተት ኩለመዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና ፤ ኣብ ሕብረተሰብ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም ናህሪ ዕዳጋ መሰረታዊ ሸቀጣት ኣብ ምርግጋዕ እናሰርሐት ከምዝፀንሐት እዩ ዝግለፅ።

እቲ ዝነበራ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኩናት አብ መዳይ ቁጠባ ሃሰያ ከም ዝበፅሐ ዋና ስራሕ ኣካያዲ ኩለ መዳይ ሕብረት ሽርክና ማሕበር ፋና ኣይተ መሓሪ ኣድሓና ገሊፆም።

ኣባላት እታ ማሕበር ብወገኖም በታ ማሕበር ተረባሕቲ ከም ዝኮኑ ብምግላፅ ኩሉ ኣብ ጎኒ እታ ማሕበር ክከውንን ግዝያዊ መንግስቲ ነዚ ተግባር ሓጋዛይ ክኸውን ፀዊዖም።

እታ ማሕበር ኣብ 2016 ዓ/ም ሓዱሽ ዓመት ኣታዊኣ ክብ ብምባል ኣብ ሕብረተሰብ ዝበፅሕ ዘሎ ቁጠባዊ ፅዕንቶ ናህሪ ዋጋ መሰረታዊ ሸቀጣት ንምንካይ ኣበርቲዓ ትሰርሕ ምህላዋ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ሓቢሮም።