Home ዜና ወፈሪ ተኸላ ፈልሲ 2015/16 ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ

ወፈሪ ተኸላ ፈልሲ 2015/16 ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ

569

ክረምታዊ ተኸላ ፈልሲ እዚ ዓመት ብደረጃ ክልል ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ሩባ ፈለግ ኣመራርሓ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ኣመራርሓ ዞባ ምብራቕ ትግራይን ህዚቢ ወረዳ ኣፅብን ኣብ ዝተረኸብሉ ተጀሚሩ።

እቶም ኣመራርሓን ክኢላታት ሕርሻን ኣብ ወረዳ ኣፅቢ ጣብያ ሩባ ፈለግ ዊ ፎረስት ዝተበሃለ ፕሮጀክት ምስ ነበርቲ እታ ጣብያ ብምትሕብባር ዝሰርሖም ስራሕቲ ምሕዋይ ኸባቢ ንምዕዛብ ዑደት ኣካይዶም።

ብሰንኪ ኲናት ዝበረሱ ጎቦታት ዳግም ብምሕዋይ ናብ ንቡር ንምምላስ ይረባረቡ ከምዘለዉ እዉን ነበርቲ ጣብያ ሩባ ፈለግ ገሊፆም። ብደረጃ ክልል ኣብዚ ክራማት ልዕሊ 3 ነጥቢ 5 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ትልሚ ተታሒዙ ቕድመ ምድላዋት ከምዝተወገኑ ኣመራርሓ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣብቲ እዋን ሓቢሮም።

#ገ/መድህን ተ/መድህን