Home ዜና ”ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ይተግበር፣ሕቶ ህዝቢ ይመለስ”

”ዉዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ይተግበር፣ሕቶ ህዝቢ ይመለስ”

610

ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ትግራይ ኹሉ ትፍፅም ኣላ ፣ መንግስቲ ፌደራል እውን ነቲ ዝተፈራረመሉ ስምምዕ ብእዋኑ ብምፍፃም ግቡኡ ክዋፃእ ኣለዎ-ጋዜጠኛን ፀዳለ ለማ

ምስ ክፍሊ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ፃንሒት ዝገበረት ጋዜጠኛን መስራቲት ሚድያ ኣዲስ ስታንዳርድን ፀዳለ ለማ መንግስቲ ፌደራል ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ይውፀአለይ ክብል ኣለዎ ትብል። ኣብዚ ጉዳይ ኣብ ፕሪቶሪያ ኮነ ኣብ ኬንያ ተዓዘብቲን ኣሳሰይትን እቲ ውዕሊ ሰላም ዝነበሩ ኣካላት እውን ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ኣለዎም ክትብል ገሊፃ ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወሰኖ ውሳነ ንኻልኣይ ጊዜ ክምርምር ይግባእ ዝበለት ጋዜጠኛ ፀዳለ ምኽንያቱ ድማ ውሳነ ቦርድ መረፃ ነቲ ውዕሊ ሰላም በዘይ ፈራሚ ዘቕሪ ዓንቃፍን ሓደገኛ ተግባር ምዃኑ ኣገንዚባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝፈረሞ ውዕሊ ሰላም ተገዛኢ ኾይኑ ንተግባራዉነቱ ክስርሕን እዚ ውሳነ ክቕየርን ናይ ባዕሉ ተራ ክፃወት ኣለዎ ትብል።ኣብ ዉሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢን ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ትግራይ ዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንኻልኣይ ጊዜ ህዝቢ ትግራይ ዝኣሰሮም ሕገ-መንግስታዊ ውዕልታት ንምፍፃም ዘለዎ ውፍይነት ዘርኢ እዩ።

እቶም ተመዛበልቲ ዘልዐልዎም ሕቶታት ከም ናብ መረበትካ ምምላስ፣ ብሰላም ናይ ምንባርን ምውፃእ ወረርቲ ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራን ኩሎም ኣብቲ ውዕሊ ሰላም ዝተቐመጡ እዮም፣ ብህፁፅ ድማ ክተግበሩ ይግባእ ትብል ጋዜጠኛ ፀዳለ ለማ።መንግስቲ ፌደራል እውን ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝፈሮሞ ዉዕሊ መሰረት ሰራዊት ኤርትራን ኣምሓራ ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፅኡን ሕገ-መንግቲ እዛ ሃገር ከኽብርን ይግባእ።

መንግስቲ ፌደራልን ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይን ጉዳይ ተሓታትነት ዕሽሽ ክብልዎ የብሎም ዝበለት ጋዜጠኛ ፀዳለ ካብ ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት ክሳብ ዘርኢ ምፅናት ዝተፈፀምሉ ኩናት ትግራይ ብዘይ ተሓታትትነት ምሕላፍ ኣይከኣልን፣ ሰላም እውን ኣየምፅእን ክትብል ኣስሚራትሉ። ብተወሳኺ ድማ ኽልቲኦም ኣካላት፡ እቲ ውዕሊ ሰላም ብዝብሎ መሰረት ናብ ፖለቲካ ልዝብ ክኣትዉ ኣለዎም፤ ነቲ ደማዊን ዘርኢ ምፅናትን ዘስዓበ ኩናትን ቀንዲ መንቀሊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዝርርብ ምእላይ ንፅባሕ ካብ ዘይበሃሉ ዕማማት ሓደ እዩ።ዓለም ለኸ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘመሓላፍዎ ረዲኤት ደው ናይምባል ውሳነ ኣዝዩ መጉሀይን መሕዘንን እዩ ዝበለት እታ ጋዜጠኛ ቕድሚ ሐዚ ጉሕለት ረድኤት ኣብ የመን ኣጋጢሙ እዩ፣ ኸዚ እውን ኣብ ሱዳን ምልክታት ኣለው ፤ኣብ ትግራይ በፂሖም ስራሕ ጠጠው ዘብልሉ ምኽንያት ኣይተረደአንን ትብል።

ንኽልተ ዓመት ሙሉእ ኣብ ሙሉእ ኸበባ ዝነበረ ህዝቢ ንእሽተይ ትንፋስ እንትርከብ ተረባሪብኻ ፀገሙ ምፍትሕ እዩ ዘድሊ። እቶም ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ጊዜ ከይሃቡ ውሳነኦም ከምዝቕይሩ ተስፋ ይገብር ኢላ ጋዜጠኛ ፀዳለ ለማ።

ብኣቤል ፅጋቡ