Home ዜና ዉዝፍ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብምኽንያት ጉድለት በጀት ክኽፈል ዘይምኽኣሉን ካብ መንግስቲ ፌደራል...

ዉዝፍ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ብምኽንያት ጉድለት በጀት ክኽፈል ዘይምኽኣሉን ካብ መንግስቲ ፌደራል 5 ቢልዮብ ብር ልቓሕ ተሓቲቱ ከምዘሎን ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ትግራይ ኣፍሊጡ ።

983

መምህራን ዘልዐልዎ ሕቶ ልክዕ እኳ እንተኾነ ስርሖም ጠጠው ንምባል ዝወሰድዎ ክያዶ ግና መላእ ህፃናት ትግራይ ዝጎድእ ብምዃኑ ናብ ስርሖም ተመሊሶም ተቛሪፁ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከቐፅሉ ከምዝግባእ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ገሊፆም።

“ካብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ክሳብ ሕዚ 2.6 ቢልዮን ብር ዘይምምፅኡን በጀት ሰራሕተኛ መንግስቲ ወርሓዊ 300 ሚልዮን ጉድለት ከምዘለዎን ዝገለፃ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ትግራይን ዶ/ር ምሕረት በየነ እዚ ንምሽፋን ድማ 5 ቢልዮን ብር ልቓሕ ከምዝተሓተተ ኣረዲአን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዘምህሩ መምህራን ሕሉፍ ዉዙፍ መሃያና ስለዘይተኸፈለና ስራሕና ደው ኣቢልና ኣለና ምባሎም ዝዝከር ኮይኑ ምምሕዳር ከተማ መቐለ እዉን ኣብ ኣርባዕተ ክፍለ ከተማ ሙሉእ ብሙሉእ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ደው ከምዝበለ ምፍላጡ ይዝከር።

ኣብዚ ዛዕባ እዚ ኣድሂቦም ቢሮ ትምህርቲ ትግራይን ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ትግራይን ንሚድያታት ሂቦም።

እቲ መምህራን ዘልዐልዎ ሕቶ ልክዕ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶ/ር ጉዕሽ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ እዉን እንተኾነ እዚ ብምርዳእ ንመንግስቲ ፌደራል ይሓትትን ይፅዕርን ከምዘሎ ሓቢሮም።

̎መምራን ስርሖም ደው ብምባሎም ዝጉድኡ ህፃናት ትግራይ ብምዃኖም እቲ ግዝያዊ ፀገም ክሳብ ዝፍታሕ ናብ ስርሖም ተመሊሶም ተቛሪፁ ዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከቐፅሉ ይግባእ” ክብሉ ዶ/ር ኪሮስ ተላብዮም።

“ሕቶ ዉዙፍ መሃያ ይከፈል” ናይ መምህራን ጥራሕ ዘይኮነ ሕቶ ኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ትግራይ እዩ ዝበላ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ትግራይ ዶ/ር ምሕረት በየነ ኣብ መላእ ትግራይ ዉዙፍ መሃያ ዘይተኸፈለሉ ቀንዲ ምኽንያት መንግስቲ ፌደራል ብሙሉእነት በጀት 2015 ዓ.ም ክሰድድ ስለዘይከኣለ እዩ ኢለን።

“ትግራይ 35% በጀታ ካብ ዉሽጣዊ ኣታዊ እያ ትሽፍን ነይራ። እዚ ሕዚ የለን። ዝተማልአ በጀት እዉን ኣይተሰደደልናን ዝበላ ዶ/ር ምሕረት ካብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም እዉን እቲ 2.6 ቢልዮን ብር ክሳብ ሕዚ ከምዘይመፀ ሓቢረን።

እቲ ክሳብ ሕዚ ዝተልኣኸ በጀት እዉን እንተኾነ በቲ ቅድሚ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ዝነበረ መጠን ከምዝኾነ ዝገለፃ ዶ/ር ምሕረት ኣብ በጀት ወርሓዊ መሃያ እዉን ጉድለት ከምዘሎ ገሊፀን።

“ቅድሚ 2013 ዓ.ም ዝነበረ መጠን በጀት እዩ ዝለኣኸልና ዘሎ ኣብ ካልኦት ክልላት ወሰኽ ኣሎ ናይ ትግራይ ግና ወሰኽ የብሉን” ይብላ ዶ/ር ምሕረት።  

ንመሃያ 900 ሚልዮን ብር እዩ ነይሩ ወፃኢና ምስ ዝተፈላለዩ ጥቕማጥቕምታት ተተሓሒዙ ግና ሕዚ ንመሃያ ዘድልየና 1.2 ቢልዮን እዩ ዘሎ ዝበላ እተን ሓላፊት ብምኻኑ ንመንግስቲ ሰራሕተኛ ካብ ዝተመደበ ጀት በቢ ወርሑ 300 ሚልዮን ብር ጉድለት በጀት ዘለዎ እዩ ኢለን።

ነቲ ዘሎ ክፍተት በጀት ንምሽፋን ካብ መንግስቲ ፌደራል ልቓሕ ምሕታት ከም መማረፂ ተወሲዱ 5 ቢልዮን ብር ልቓሕ ተሓቲቱ ከምዘሎ ዝገለፃ ዶ/ር ምሕረት ̎ምስ ካልኦት ክልላት ተወሲኹ ንርእዮ ኣለና ክንፈቕደልኩም ኢና ተፀበዩ ተባሂልና ኣለና እቲ ልቓሕ ምስ መፀ ድማ ዉዝፍ መሃያ ክንከፍል ኢና” ኢለን።

ብተስፋዝጊ ዓስበይ