Home ዜና ዋሕዚ ስደት መናእሰይ ትግራይ

ዋሕዚ ስደት መናእሰይ ትግራይ

702

 ደቂ ሰባት ብዝተፈላለይ ምኽንያት ካብ ሃገሮም ወፂኦም ናብ ካልኦት ሃገራት ብበዝሒ ይስደዱ ከምዘለዉ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገሊፁ፡፡

ምኽንያት ስደቶም እውን ካብ ኲናትን ሓደጋ ተፈጥሮን ንምድሓንን ዝሓሸ መነባብሮ ንምምራሕን ካብ ምድላይ ዝብገሰ ከምዝኾነ ዘዉፅእዎ መረዳእታታትን የመላኽት፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን መናእሰይ ትግራይ ብበዝሒ ናብ ሃገራት ዓረብ ይስደዱ ምህላዎም መዘራረቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። መረዳእታታት ከምዘመላኽይዎ ኣብ ጉዕዞ ስደት እዞም መናእሰይ ብርክት ዝበሉ ንሕማምን ሞትን ይቃልዑ ኣለዉ፡፡

ቢቢሲ ኣብ ፀብፃቡ ሕዝዋ ዝወፀ ብዓልዋንኣ ዘይተፈለጠት ኣብ ምድረ በዳታት ጅቡቲ ዝተርኣየት ጫማ መዛራረቢ ማሕበራዊ ሚድያታት ኾይና እያ፡፡

እቲ ኣብ ጉዕዞ ሰንሰን ዝበለን ሳእኑ ዝኸበዶን ስደተኛ ዝደርበያ ጫማ  ̎ትግራይ ዓደይ ̎ ዝትብል ፅሑፍ ኣለዋ፡፡ ወናኒ እታ ሳእኒ ትግራዋይ ከምዝኾነ ኣብታ ሳእኒ ካብ ተፅሓፈ ፅሑፍ ምግንዘብ ይክኣል፡፡

ብዓል ዋና እታ ጫማ ነታ ጫማ ደርብዩ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ ዝፈልጥ የለን፡፡ እቲ ስደተኛ ኣብቲ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ዘቃፅል ምድረ በዳ ጥራሕ እግሩ ተጓዕዙ ኣበይኸ ክበፅሕ ኢልካ ይሕሰብ ኮይኑ? እዚ ኣጋጣሚ ታሪኽ ብዙሓት ስደተኛታት ተጋሩ ዘመላኽት ብምኻኑ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ካብ ሃልሃልታ ምድረ በዳ ብተዋሳኺ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ድራር ዓሳ ዝኾኑ ስደተኛታት ተጋሩ ብዙሓት እዮም፡፡ ይኹን እምበር ሐዚ እውን ስደት በላዒ ሰብ ምዃኑ እናፈለጡ ናብ ስደት ዝኸዱ ተጋሩ ይበራኸቱ ከምዘለዉ ኣካላት ፀጥታ ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶምን ብተደጋጋሚ ይገልፁ ኣለዉ፡፡

ዋሕዚ ስደት ተጋሩ ክውስኽ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ንምርዳእ ናብ ስዑድ ዓረብ ክስደዱ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን ብኣካላት ፀጥታ ዝተትሓዙ መናእሰይ ትግራይ ኣዘራርብና ኣለና ፡፡ ምኽንያት ስደት መናእሰይ ድማ ኣጋጢሙ ዘሎ ስእነት ስራሕ ብቐንዱ ዝጥቀስ ከምዝኾነ ይገልፃ።

ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ትግራይ ብምኽንያት ስእነት ስራሕን ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊ ቑልውላውን  ናብ ስደት ክኸዱ ከምዝተገደዱን ልዕሊ ሓደ ሺሕ መናእሰይ ናብ ስደት ክኸዱ ተታሒዞም ናብ ስድርኦም ክምለሱ ከምዝተገበሩን ኣካላት ፀጥታ ይገሊፁ፡፡ 

ወለዲ ስደት ኣብ ምክልኻልን ህይወት ደቆም ኣብ ምድሓንን ዝልዓለ ሓላፍነት ኣለዎም ዝበሉ እቶም ኣካላት ፀጥታ መንግስቲ እውን ኣብ መናእሰይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ይብሉ፡፡

እግርኻ ናብ ዝመረሐካ ስደት ምኻድ ንሞትን ስቓይን ካብ ምስጣሕ ሓሊፉ ዝመፅእ ለውጢ የለን ንሕና እውን ንስደት ብምዃድና ብዙሕ መከራ ኣሕልፍና ኢና ይብሉ ካብ ስደት ዓዶም ዝተመለሱ።

ኩሉ ካባና ተመኩሮ ወሲዱ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ክልወጥ ይግባእ ዝበሉ እቶም መናእሰይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መረበቶም ኮይኖም ብዘለዎም ዓቕሚን ፀጋን ተጠቒሞም ናብርኦም ክመርሑ ከምዝወሰኑ ኣረዲኦም፡፡

ደቆም ናብ ስደት ከይዶም ብደላሎ ጥሪቶም ነጊፎም ኣብ ድኽነት ዝወደቑን ህይወት ደቆም ዝስኣኑን ወለዲ ትግራይ ብርክት ዝበሉ እዮም ፡፡

እቲ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ መንእሰይ ብሓደ ወገን ኣጋጢሙ ብዘሎ ቑጠባዊ ቁልውላው ዝፈጠሮ ስእነት ስራሕ ክስደድ ዝተገደደ እንትኾን ብኻልእ ወገን ድማ ዝሓሸ መነባብሮ ንምምራሕ ይስደድ ከምዘሎን ነዚ ፀገም ንምቅላል መንእሰይ ትግራይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝልወጠሉ ዕድላት ይመቻቸ ከምዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ ትግራይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ጉዳይ ስደት ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ምክክር ገሊፁ ነይሩ።

እቲ ሐዚ ትግራይ ብበዝሒ ሓይሊ ሰብ ዘስእና ዘሎ ስደት ንቐፃሊ ትግራይን ህዝባን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብምኸዃኑ ነዚ ብዝፈትሕ መንገዲ ብህፁፅ ምንቅስቓስ ምግባር የድሊ፡፡

ብበላይ ሽፈራው