Home ዜና ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ትግራይ ሓደሽቲ ጃምላዊ መቓብራት ከምዝተረኸቡ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ስእልታት ከምዘረጋገፁ...

ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ትግራይ ሓደሽቲ ጃምላዊ መቓብራት ከምዝተረኸቡ ብሳተላይት ዝተሳእሉ ስእልታት ከምዘረጋገፁ ኣፍሊጡ።

1813

ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ኣብ ትግራይ ብሳተላይት ምስሊ ሓደስቲ ጃምላዊ መቓብር ከምዝተረኸበን ኣደጊፉ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈረመሉ ሰሙን ኣብ ምብራቓዊ ከባቢታት ዓድዋ እንዳ ማርያም ሸዊቶ ኣብ እትርከብ ንእሽቶን ቁሸት ህልቂት ከምዝፈጸሙ ኣረጋጊፁ።

ኣብታ ጣብያ ካብ 24 ምንጭታት ዝተረኸበ ስእሊ ሳተላይት ብምትንታንን ብመሰረት ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 25 ጥቅምቲ ክሳብ 10 ሕዳር ማክሰር ፎቶታት ድሕሪ ምጥቃም፣ ብናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ኣብቲ ጣብያ ብኣካል ተረኺቡ ኣብቲ ከባቢ ዝረኸቦ ሓበሬታ ብምጥቃምን ከምኡ እውን ሸውዓተ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ብዝሃብዎ ትንተና ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ብጃምላ ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ንግሆ ጥቅምቲ 20/2023 ኣቆፃፅራ ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኣኽራናዊ ከባቢ ቁሸት ማርያም ሸዊቶ ምስ በጽሐ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተረኽቡ ነበርቲ ብጅምላ ከም ዝቐተለ ድማ ገሊፁ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዋሽንግተን ፖስት ቀፂሎም ድማ እቶም ወተሃደራት ኣብ ትሸዓተ ዓድታት እቲ ከባቢ ብምኻድ ልዕሊ 300 ሚኢቲ ንፁሃን ብግፍዒ  ከምዝቐተሉ ተገሊጹ።

ኣብ ማርያም ሸዊቶ 50 ሰባት ብግፍዒ ክቕተሉ እንከለዉ ኻብቶም ጠቕላላ ዝተቐተሉ እቶም 150 ሰባት ኣብ ቤተክርስትያን ኣቡነ ሊባኖስ ከም ተቐበሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ።

ዋላ እኳ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ድምጺ ቶኽሲ እንተዘይተሰምዐ፡ ዋሽንግተን ፖስት ግን እቲ ኩነታት  ሐዚ እውን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዘይምውፅኡ መነባብሮ ሕ/ሰብ ትግራይ ዝኸፈአ ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎ ምዃኑ ገሊጹ።

ሓረስታይ ትግራይ ካብታ ርካቡ ዘርኢ ብምዝራእ ጥምየት ንምምካት ኣብ ዝጽዕሩሉን ሕርሻዊ ንጥፈታት ኣብ ዘካይደሉን ዘሎ እዋን በቶም ወረርቲ ሓይልታት ብግፍዒ ዝተረሸኑ ሬሳ ግዳያት ህልቂት ጃምላዊ መቓብር ይረኽቡ ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ።