Home ዜና ዋዕላ ሃፍቲ ተፈጥሮ

ዋዕላ ሃፍቲ ተፈጥሮ

362

ዋዕላ ሃፍቲ ተፈጥሮ

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ብርሰት ኣግራብ ንምንካይን ዝበረሰ ዳግም ንምልማዕን ዓሊሙ “ወፍሪ ሰማእታትና ንሕውየት ሕርሻናን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ኣመራርሓን ሰብ ሞያ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዞባታትን ወረዳታትን ካልኦት መድረግቲ ዋዕላ ሃፍቲ ተፈጥሮ የካይድ ኣሎ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶክተር እያሱ ኣብርሃ መፍረይነት ሕርሻ ትግራይ ንምዕባይ ዝተተሓዘ መደብ ክዕወት እንተኾይኑ ሕውየት ተፈጥሮ ማእኸል ዝገበረ ልምዓት ሕርሻ ብምዃኑ ሕውየት ብርሰት ኣግራብ ዋኒን ኽኢላታት ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣመራርሓን ጥራሕ እንተይኮነስ ዋኒን ኩሉ ሕብረተሰብ ክኾን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ተወካሊ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣይተ ኣለም ብርሃን ሃሪፈዮ ህልዊ ኩነታት ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣብ ኩለን ዞባታት ትግራይ ብሓፈሻ ኣብ ዞባታት ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ድማ ብፍላይ ሰፊሕ ብርሰት ደኒ ተኻይዱን ይካየድ ከም ዘሎን ብመፅናዕቲ ኣረጋጊፅና ኣለና ኢሎም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ሃሰያ ቐልጢፉ ክሓዉን ናብ ንቡር ክምለስን ስጡምን ቆራፅነትን መሪሕነትን ዝተወደበ ሕብረተሰብን ከምዘድሊ እዉን ኣይተ ኣለምብርሃን ወሲኾም ገሊፆም። እቲ ዋዕላ ብስፍሓት ክዝተየሉን ቀፀልቲ ዕማማት ዳግመ ሕውየትን ምዉሳኽ መፍረይነትን ሕርሻ ክቕመጡ ትፅቢት ይግበር።

#ገ/መድህን ተ/መድህን