Home ዜና ዋዕላ ማሕበር ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓበሬታን ርክብን ትግራይ

ዋዕላ ማሕበር ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓበሬታን ርክብን ትግራይ

493

ብጀኖሳይዳዊ ኲናት ተጎዲኣ ዘላ ትግራይ ዳግም ንምህናጽ ተዓጻጻፊ መስርሕ ቴክኖሎጅን ርክብን ምዝርጋሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓላፊት ሴክረታርያት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምህዞን ስልጠናን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ኣልጋነሽ ተሰማ ገሊፀን። ማሕበር ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓበሬታን ርክብን ትግራይ ፈላማይ ዋዕላ መስራቲ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ። እቲ ማሕበር ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ቱኽረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣቦ መንበር እቲ ማሕበር ኣይተ ጥላሁን ኪሮስ ሓቢሮም።

ብጄኖሳዪዳዊ ኲናት ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ትግራይ ዳግም ንምህናፅ ተዓጻጻፊ መስርሕ ቴክኖሎጅን ርክብን ምዝርጋሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ድማ ሓላፊት ሴክረታርያት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምህዞን ስልጠናን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ኣልጋነሽ ተሰማ ገሊጸን።ብፍላይ ኣብ መንጎ ገጸርን ከተማን ትግራይ ማሕበረ ቁጠባውን ቴክኖሎጅን ርክባት ስጡም ንክኾን እቲ ማሕበር ርኡይ ግደ ክፍጽሙ እውን ጸዊዐን። ምስ ማቴሓርት ንምስራሕ ድልዊ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ድማ ተወካሊ ፈጻሚ ዳይሬክተር ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/ሄር እዮም። ማሕበረሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓበሬታን ርክብን ትግራይ ምዕቡል መሃዛይነትን ኣሰራርሓን ንክህልዎ ካብ ፖሎቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ናጽነት ክህልዎ ከምዝግባእ ድማ ኣብቲ ዋዕላ ሓሳብ ቀሪቡ እዩ።

#ኤፍሬም_ረደሀይ