Home ዜና ዋዕላ ሰብሞያ ሚድዋይፍ

ዋዕላ ሰብሞያ ሚድዋይፍ

507

ብምትሕብባር ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ማሕበር ሰብ ሞያ ሚድዋይፍ  ኢትዮጵያን ኣብ ስነ ተዋልዶ ዘድሃበ ዋዕላ ጥዕና ተሳሊጡ::

ኣብ ፅንኩር ኩነታት ኮይኖም ሞያዊ ኣገልግሎት ይህቡ ንዝነበሩ ሰብ ሞያ ሚድዋይፍ ትግራይ ክብሪ ምሃብ ከምዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ዝተገለፀ እንትኾን ንሰብ ሞያ እውን ሽልማት ምስክር ወረቕት ተዋሂቡ::

ኣብቲ ዋዕላ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ሰብ ሞያ ሚድዋይፍ ኢትዮጵያ ኣይተ ፍቃዱ ማንያዘዋል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ተወከልቲ ምኒስተር ጥዕና UNFPAን ኢሉ ውን ሰብሞያ ጥዕና ተረኪቦም ኣብ ሕሉፍን ወፃእን ስራሕቲ ማሕበር ሰብሞያ ሚድዋይፍ ዘትዮም::

 ምስክር ወረቀት ዝተውሃቦም ሰብሞያ ሚድዋይፍ ትግራይ ንዝተገበረሎም ሽልማት ምስክር ወረቀት ብምምስጋን ፀገም ጥዕና ህዝብና ክሳብ ዝቃለል ጠንኪርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም፡፡

ከም ህዝቢ ብሓፈሻ ከምሰብ ሞያ ድማ ብፍላይ ከቢድ ፀገም ኣሕሊክና ኢና ዝበሉ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ብወገኖም መጠን ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ወሲኹ ብምህላው ሓገዝ ማሕበር ሰብሞያ ሚድዋይፍ ኣድላዪ እዩ ኢሎም፡፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ሰብ ሞያ ሚድዋይፍ ኢትዮጵያ ኣይተ ፍቃዱ ማንያዘዋል ብግዲኦም ንሰብ ሞያ ሚድዋይፍ ትግራይ ዘመስገኑ እንትኮኑ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ንምሕላው ማሕበሮም ምስ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ተዋዲዱ ንምስራሕ ድሉው ምኳኑ ቃል ኣትዮም ::