Home ዜና ውሳነ ሞት ህፃናትን ኣዴታትን 

ውሳነ ሞት ህፃናትን ኣዴታትን 

1511

ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ክብል ምውሳኑ ፍርዲ ሞት ህፃናትን አዴታትን እዩ፤ ብራድ ሸርማን

ምስ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ትካል ምግቢ ዓለምን ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሎም ሞት ኣብ ትሕቲ ጥሜት ዘለዉ ወገናት ዘጋድድ ምዃኑ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸርማን ጠቒሶም፡፡

ንኽልተ ዓመት ሙሉእ ኣብ ዕፅዋን ውግእን ዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብሰንኪ ዝበፅሐ ምጥፍፋእ ኣመኽኒኻ ካብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክእገድ ኣይግባእን ዝበሉ ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ብራድ ሸር ማን፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይተቛረፀ ጎና ጎኒ ምፅራይ ክግበር ይግባእ ኢሎም፡፡

ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተጋሊፁ ኣሎ፡፡ ኣብ ርእሲ እዙይ ድማ ክልከላ ሰብኣዊ ሓገዝ ክውሰን ኣይነበሮን ዝበሉ እቶም ኣባል ኮንግረስ፤ እቲ ውሳነ መንግስቲ ኣሜሪካ ንዝቖመሉ ሰብኣዊነት ዝፃረር ምኻኑ ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ዕድል ተጠቃሚነት ልምዓት ኣፍሪካ /ኣገዋ/ ዝፍቀደለን ሃገራት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ተረኺቦም ቅዋም ዘስምዑ ብራድ ሸር ማን፤ ህዝቢ ሳብኣዊ ሓገዝ ከይረክብ ከልኪልና ብዛዕባ ዕድል ተጠቃምነት ዕዳጋ ክንዝቲ የብልናን፡፡ ምጀመርያ ሰብኣዊነት ነቐድም ብምባል ንተወካሊት ዓለም ለኻ ተራድኦ ኣሜሪካ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን መልሲ ዝሃባ ሓላፊት ዓለም ለኻ ተራድኦ ኣሜሪካ ዩ ኤስ ኤይድ ሳማንታ ፓወር ብግዲኤን፤ ክሳብ ሕዚ ንዝተገበረ ክልከላ ይቅርታ ብምሕታት፤ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀልጢፉ ከም ዝጅመር ኣፍሊጠን፡፡

ልዕሊ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥሜት ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ምስ ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣተሓሒዝና ዝሕለፍናዮ ውሳነ፤ ካሊእ ጉድኣት ከም ዘለዎ ተረዲእና ኢና ዝበላ ሳማንታ ፖወር፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽቕፅል ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሐ ጠቒሰን፡፡

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዞም ንዝበፅሑ ምጥፍፋኣት ንምፅራይ መርማሪ ኮሚቴ ኣጣይሹ ይሰርሕ ምህላዉ ይፍለጥ፡፡