Home ዜና ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘይዓገቶ ምፅራይ ዘርኢ

ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘይዓገቶ ምፅራይ ዘርኢ

530

ሓይሊታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ምፅራይ ዘርኢ ቀፂሎምሉ ኣለዉ ክብሉ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ኣተሓሳሲቦም፡፡ ብስም ፋኖ ዝተወደቡን ብመንግስቲ ኣምሓራ ዝተዋፈሩን ሓይሊታት፤ ኣብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ገበን ምፅራይ ዘርኢ ቀፂለምሉ ምህላዎም ሰለስተ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ዕላዊ ገይሮም፡፡ ሰለስቲኦም ኣባላት ኮንግረስ ናብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ብሄራዊ ባንኪን ኣሜሪካ ኣብ ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፈረሞ ስምምዕነት ከተግብር ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብኣባላት ኮንግረስ ብራድ ሸርማን፣ ጄምስ ፕ.ማክ ጋቨርን ሊሎይድ ዳጎትን ተፃሒፉ ናብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከንን ሓላፊት ብሄራዊ ባንኪ ኣሜሪካ ጃኔት ያለንን ኣታዊ ዝኾነ ደብዳበ፤ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተጠናኺሩ ዝቐፀለ ምፅራይ ዘርኢ ትግራይ ዘመላኽት እንትኾን፤ መንግስቲ ኣሜሪካ ህፁፅ መፍትሒ ክህበሉ ዝጠልብ እዩ፡፡ ክልል ኣምሓራ ዘዋፈሮምን ብስም ፋኖ ዝተወደቡን ሓይሊታት፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅራይ ዘርኢ ከም ዝቐፀልሉ፤ እቲ ኣረሜናዊ ተግባር ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ተጠናኺሩ ምቕፃሉን ዘመላኸተ እቲ ደብዳቤ፤ ሓይሊታት ኣምሓራ ኣብ ዝጎበጥዎ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ፤ መንነት ተጋሩ ክጠፍእ ይግበር ኣሎ ኢሎም፡፡

ድሕሪ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተኸተመ ውዕሊ ዘላቒ ተፃብኦ ደው ምባልን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረመሎም ስምምዕነታት ኣብ መሬት ብግበሪ ኣይወዓሉን።ሓይሊታት ኣምሓራ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝጎበጥዎ መሬት ትግራይ ብዘይምውፀኦም ተጋሩ ኣብ መሬቶም መንነት መሰረት ዝገበረ ግፍዒ ይፍፀመሎም ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣባላት ኮንግረስ፤ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ ገበን ዝፍፅሙ ዘለዉ ኣካላት ተፈልዩ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ ኢሎም፡፡ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም 8 ኣዋርሕ ከም ዘሕለፈን፤ እቶም ገበነኛታት ግን ሕዚ እውን ወፍሪ ዘርኢ ምፅራይ ከም ብሓዱሽ ኣጠናኺረቶም ይቕፅልሉ ምህላዎምን ከም ዘረጋገፁ ዝጠቐሱ ሰለስቲኦም ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ፤ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ብሄራዊ ባንከን ኣሜሪካ መምርሒ መፈፀሚ ፕሬዝዳንት ባይደን ክትግብርዎ ተላቢዮም፡፡

መወዳእታ ጉንበት 2015 ዓ.ም፤ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ሁማን ራይትስዎች ዘውፀኦ ሪፖርት መደንገፂን ድሕሪ ስምምዕነት መንግታት ትግራይን ኢትዮጵያንን ክግበር ኢዩ ኢልካ ዘይግመትን ምዃኑ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣባላት ኮንግረስ፤ ብመንግስቲ ኣምሓራ ዝተዋፈሩ ምልሻታትን ብስም ፋኖ ዝተወደቡ ሓይሊታትን ነቲ ገበን ይፍፅምዎ ምህላዎም ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ኣለና ኢሎም፡፡ ሓይሊታት ኣምሓራ፤ ካብ ወርሒ መጋቢት 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ነበርቲ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን፤ ሓዱሽ ወፍሪ ምስጓግ፣ ምስዋር፣ ምስቓይ፣ ማእሰርቲን ኣገዲድካ መንነት ምቕያርን ይሰርሑ ምህላዎም ብመረዳእታ ዝደገፈ ደብዳቤ ሰለስቲኦም ኣባላት ኮንግረስ፤ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብግልፂ ኣሜሪካ ብስም ጠቒሱ ዕላዊ ኣብ ለዕሊ ዝገበርዎም ውልቀሰባት ዘየማትእ ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም፡፡

ብመሰረት ዓመታዊ ፀብፃብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ካብ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ምጥቃሱ ዘመላኸቱ እቶም ኣባላት ኮንግረስ፤ ኣብቲ ፀብፃብ ብገበን ዘርኢ ምፅራይ ዝተፈለዩ ኮረኔል ደመቀ ዘውዱን በላይ ኣያሌውን ብመሰረት መምርሒ ትግበራ ፕሬዝደንት ባይደን 14046 ክትግበር ፀዊዖም፡፡

#ብገ/እግዚአብሔር ሃይሉ