Home ዜና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንምዝታይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ንምዝታይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ።

524

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣድሂቡ ንምዝታይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ። እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ክዘራረብ እዩ።ኣብ ሱዳን ኣብ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ስዒቡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣መጥቃዕትን ምዝማት ንብረት፣ናዉቲ ሆስፒታላትን ከምዘጋጠመ እንትግለፅ ኣብዚ ከቢድ ውግእ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ዜጋታት ከም ዝሞቱን ኣስታት 450 ሽሕ ነበርቲ ድማ ተመዛቢሎም ከም ዝርከቡ ኢዩ ፀብፃብ ቢቢሲ ዘመላኽት።ካብዚኦም ልዕሊ 115 ​​ሽሕ ዝኾኑ ሱዳናዉያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝተሰደዱ ካብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕበር።

እዚ ኣኼባ ብእንግሊዝ ፣ ኣሜሪካ፣ ጀርመንን ኖርወይን ዝተፀውዐ እንትኾን ንሱዳን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ህፁፅ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ዕሽሽ ብምባለን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ልዝብ ኣብ ሓደጋ ከየእትዎ ተሰጊኡ ኣሎ ።ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጅዳ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ኣመራርሓ ሰራዊት ሱዳንን ኣመራርሓ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን #RAFን ኣብ ሓምሻይ መዓልቱ እኳ እንተኣተወ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ግን ዛጊድ ኣይተገልፀን።

ስዑዲ ዓረብን ኣሜሪካን ግና ብሓባር ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ሰራዊት መስርሕ ሽምግልና ይቕፅላሉ ኣለዋ ተባሂሉ።ሓደ ስዑዳዊ ዲፕሎማት ንማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ብ28 ሚያዝያ 2023 ኣብ ጅዳ ዝጀመረ ቅድመ ልዝብ ዝርርብ ሰላም ዝኾነ ምዕባለ ከምዘየርኣየ ሓቢሩ።

መንግስታት ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን “ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ነቲ ጎንፂ ንምቁራፅ ኣብ ዝግበር ዘተ ብንጥፈት ክሳተፉ ንረብሓታት ሃገርን ህዝቢ ሱዳንን ቀዳምነት እንተሂቦም ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዝተፀገመ ህዝቢ ክበፅሕን ስቓይ ህዝቢ ሱዳን ዘድሕን ምዃኑ ኣስሚሩሉ።ጎንፂ ሱዳን ብ7 ሚያዝያ 2023 ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ ዝጅምር ንደሓር ብርክት ዝበሉ ስምምዓት ምቁራፅ ተኹሲ ተበፂሑ’ኳ እንተነበረ ክልቲኦም ሓይልታት ግን ከተግብርዎ ኣይከኣሉን ይብል ቢቢሲ ኣብ ፀብፃቡ።

ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝኣወጅዎ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ብዝተፈፀመ ኣስኳሕኳሒ ገበን ፅንተት ስዒቡ መንበሪኡን ጥሪቱን ራሕሪሑ ህይወቱ ንምድሓን ገሊኡ ናብ ዉሽጢ ትግራይ እቲ ዝተረፈ ድማ ናብ ሱዳን ዉሒዙ ኢዩ።ፀብፃባት ትካል ስደተኛታት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ሱዳን መነባብርኦም ዝገበሩ ተጋሩ እንከይሓወሰ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ጥራሕ 70 ሽሕ ተመዛበልቲ ተጋሩ ከም ዝርከቡን በቲ ሐዚ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ኲናት ስዒቡ ነቶም ተመዛበልቲ ዝሕግዛ ዝነበራ ትካላት ረዲኤት ለቒቐን ብምዉፀአን ኣብ ከቢድ ስግኣት ፀጥታ ጥሜትን ከም ዘለዉ እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

እቶም ኣብ ከተማታት ሱዳን ይነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ እዉን እንትኾነ ካብቲ ኲናት ንምምላጥ ናብርኦም ራሕሪሖም ኣብ ቤተ ክርስትያን እንዳ ኣቡነ ኣረጋዊ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየለ ከባቢታት ይመዛበሉ ከም ዘለዉ ንትግራይ ሚድያ ሃዉስ ገሊፆም ኢዮም።እቶም ካብ ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ጎሮቤት ሱዳን ዝርከቡ ተጋሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ መንግስቲ ትግራይ ነቲ ንምዕራብ ትግራይ ብሓይሊ ወሪሩ ሒዙ ዝርከቡ ወራሪ ሓይሊ ኣምሓራ ቀልጢፉ ክወፅእን ናብ መረበቶም ክምለሱን ንምግባር መስርሕ ሰላም ፕሪቶሪያ ናብ ተግባር ከሽርፍዎ ኣብ ምፅዋዕ ይርከቡ።ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ ተመዛበልቲ ወገናትና ቅድሚ ክረምቲ ምእታዉ ናብ መረበቶም ክምለሱ ይሰርሕ ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ኣብ ምግላፅ ይርከብ። ሃይለሚካኤል ገሰሰ