Home ዜና ውግእ ወርሰገ ሕላገት ጅግንነት ተጋሩ

ውግእ ወርሰገ ሕላገት ጅግንነት ተጋሩ

190

ዘይተሰነዱ ታሪኻዊ ፍፃመታት ብመፅናዕትን ምርምርን ኣፍልጦ ክረኽቡን ፤ ፍሉጣት ታሪኻት ድማ ብመዳይ ኢኮ ቱሪዝም ናብ ተጠቃምነት ክሳጋገሩን ደገፍን ክትትልን ከም ዝገብር ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣፍሊጡ

ዘይተሰነዱ ታሪኻዊ ፍፃመታት ብመፅናዕትን ምርምርን ክስነዱን ፥ ፍሉጣት ታሪኻት ድማ ብመዳይ ኢኮ ቱሪዝም ናብ ተጠቃምነት ክሳጋገሩን ደገፍን ክትትልን ከም ዝግበር ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ገሊፆም

ኣብ ዝኽሪ መበል 88 ዓመት ውግእ ቅያ ወርሰገ ዘድሃበ መድረኽ ሓበራዊ ምይይጥ ድማ ኣብ ከተማ ወርቃ’ምባ ተሳሊጡ።

ጣልያን ብ1888 ዓ|ም ኣብ ዓድዋ ምስ ተደምሰሰ ድሕሪ 40 ዓመታት ድማ ዳግም ሕኒኡ ንምፍዳይ ናብ ትግራይ ከም ዝተመለሰን ንተኸታታሊ 5 ዓማውቲ ውግእ ከም ዝኸፈተን ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረበ መንእሰይ ሃፍተማርያም ንርአ ኣዘኻኺሩ።

19 ለካቲት 1928 ዓ|ም ኣብ ወርሰገ ዝተኻየደ ውግእ ድማ ብዕጥቅን ስንቅን ህዝቢ ትግራይ ዝተደገፉ ቀዳሞት ወለዲ ብመስዋእቶም ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሰራዊት ጣልያን ዓወት ኣመዝጊቦም። ካብ ኣቦ ሓጉኡ ሓዊሱ ብህይወት ዘለዉ 29 ደቂ ደቂ ሰብ ታሪኽ ጀጋኑ ወርሰገ መሰረት ገይሩ እውን መንእሰይ ሃፍተማርያም ንርአ ፅሑፍ መረዳእትኡ የጠናኽር።

ተምቤንን ሕቡኣት ዑንቁታትን ብዝብል ካልእ መፅናዕታዊ ፅሕፍ ዘቕረቡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ስነ ቕርሲ ገብረኪሮስ ወልደገብርኤል እዮም። ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ወፃእተኛታት ሰብ ዋና ክፈልጥዎ ክርድእዎን ይግባእ ይብሉ ።

ካልእ መዛተዪ ፅሑፍ ዘቕረበ ተጋዳላይ ማሙ ወረታ ተምቤን ታሪኻውን ተደላዪ ቦታን እዩ ምስ በለ ፤ ትግራይ ብተደጋጋሚ ፅንተትን ንልዕሊ 15 ግዘ እውን ግዳይ ጥምየትን ድርቅን ተኾን ስለዘላ ነዚ ድማ ዘላቒ ቁጠባ፣ ፖሎቲካውን ዲፕሎማስያውን ትግራይ ዘእንፍትን ንታሪኽን ጅግንነትን ህዝቢ ዝምጥን መሪሕነት የድልያ ኢሉ።

ኣብቲ ዘተ ጅግንነት ብመስዋእቲ ኵናት ጥራሕ ዘይኰነስ ፤ ናብ ኵናት ዘዪእቱ ብሱል መሪሕነትን መምሃሪ ዝኾኑ ታሪኻት ዝስንድ ወለዶ ክህነፅ ይግባእ ዝብሉ ሪኢቶታት ቀሪቦም።

ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ዝርከብ ቀዳሞት ተጋሩ መስተንክር ዝሰርሕሉ መበል 88 ዓመት ዝኽሪ ኲናት ወርሰገ ምኽንያት ብምግባ ታሪኻዊ ቦታ ወርሰገ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ይዝከርን ይህወፅን ኣሎ።

ኤፍሬም ረደሀይ