Home ዜና ውፅኢታውነት ኬሚካል ፀረ-ሓሰኻ በለስ

ውፅኢታውነት ኬሚካል ፀረ-ሓሰኻ በለስ

557

ውፅኢት ፈተነ ሓዱሽ ምህዞ ፀረ ባልዕ ኩችንያ ወይ እውን ሕማም በለስ ንምዕዛብ ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ቁሸት ህድሞ ዑደት ተሳሊጡ፡፡

እቲ ዑደት በቢብርኩ ዝርከቡ ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተሳተፍሉ እንትኾኑ እቲ ምህዞ በቲ ሓሰኻ ኣብ ዝተጠቕዐ በለስ ሓርስቶት ወረዳ ሕንጣሎ ቁሸት ህድሞ ተፈቲኑ ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ውፅኢት ከምዝረኸቡ ሓረስቶት ሓቢሮም፡፡

እዚ ዉፅኢት ምህዞ ተመራመርቲ ተጋሩ ዝኾነ ኬሚካል ኣብቲ ሓሰኻ ተስፋሕፊሑሉ ዘሎ ከባብታት ትግራይ ብምስፍሕፋሕ ዝሓመመ በለስ ትግራይ ክሓውን ኣብ ምግባርን ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ድማ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ፡፡

#ብገነት ካሕሳይ