Home ዜና ዑደት  ልምዓት  መስኖ  ራማ ዓዲ ኣርባዕተ

ዑደት  ልምዓት  መስኖ  ራማ ዓዲ ኣርባዕተ

198

  አመራርሓ ዞባን ወረዳታትን  ከምኡ ዉን ሓለፍቲ ዘፈር ቁጠባን  ኪኢላታት ሕርሻን ዞባ ማእኸል ዝተሳተፉሉ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ  ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ሜዳ  ሓመዶ ንምዕዛብ ዑደት አሳሊጦም ።

እቶም አመራርሓን  ኪኢላታትን  ሕርሻ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ድማ ኣብታ ወረዳ ብፍላይ ድማ   ኣብ  ሜዳ ሓመዶ ብሓረስቶት ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ  መርአያነቱ ዕዙዝ ብምዃኑ  ናብ ካልኦት ወረዳታት እታ ዞባ ክሰፍሕ ከም ዘለዎ ብምግላፅ  ካብቲ ዑደት ዉን ተሞክሮ ከም ዝወሰዱ  ትዕዝብቶም ገሊፆም ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ ሰለሙን  ማዓሾ ኣብ ሜዳ ሓመዶ ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንምዕዛብ ዝመፁ ሰብ ሞያ ሕርሻን ኣመራርሓ ወረዳታትን ካብቲ ተግባራዊ ምንቅስቓስ  ተሞክሮ ወሲዶም ዘሎ ከባቢያዊ  ሃፍተ ገነት  ብምጥቃም ህዝቢ ብዝተወደበ መልክዑ ከልምዕን ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ንኽወፅእ ብፅሒት መሪሕነትን ክትትልን ደገፍን  ሰብ ሞያ ሕርሻን ዕዙዝ ዩ ኢሎም ።

ኣብ ሜዳ ሓመዶ ኣብ ልሞዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ብወገኖም  ዘሎ ከባቢያዊ ፀጋ ተጥቒምና ዋላ እንተልማዕና ኣብ ቀረብ መዳበርያ ፡ ኬሚካል ፀረ ባልዕን ከምኡ ዉን ኣብ መትረባት ግድብ ምሕፃብ ኣዝማቲ ዘሎ ፀገም ክፍታሕ ከም ዘለዎ ነቶም ኣመራርሓ ዞባን ሰብ ሞያን ገሊፆምሎም  ።

ክላስተር ልምዓት መስኖ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ኣብ ሜዳ ሓመዶ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕቲ መስኖ ምህርቲ ንምድንፋዕ ኣብ ኣጠቃቅማ ምሩፅ ዘርእን መዳበርያን ከምኡ ዉን  ብመስኖ ዝፈርዩ ዘለው ፍራምረን ኣሕምልትን ብቐፃሊ ተጠላብነቶም ክዓብን ተመጣጣኒ ዋጋ ዕዳጋ ክረክብን   ክዉገኑ ዘለዎም  ስራሕቲ ኣመልክቶም ድሕሪ እቲ ዑደት ዘትዮም

ኣረጋዊ ገ/ሩፋኤል