Home ዜና ዑደት ሚኒስትር ሙያን ክህሎትን

ዑደት ሚኒስትር ሙያን ክህሎትን

569

ብሚኒስትር ሙያን ክህሎትን ወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል ዝተመረሐ ጉጅለ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍላተ ከተማ ኲሓን ዓንደርን በቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝዓነውን ዝተጉሓሉን ብውልቀን ብማሕበርን ኣብ ዝተጣየሹ ትካላት ኢንተርፕራይዝ መፍረይ ሓፂን መፂንን ኮሌጅ ፖሊ ሳይንስ ጥዕና ዶክተር ተወልደ ለገሰን ዑደት የሳልጥ ኣሎ።

ወነንቲ ዑደት ዝተኻየደሎም ትካላት ብሰንኪ እቲ ኲናት ንቁጠባዊ፣ማሕበራዊ፣ስነ ልቡናውን ዕንወትን ቁልውላውን ከም ዝተሳጠሑን ናብርኦም ንምጥዋር ኣብ ዝተፀገምሉ ብርኪ ከም ዝበፀሑን ድማ ነቶም ዑደተኛታት ኣረዲኦም።

ወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኢንተርፕራይዘራት ዝበፀሐ ኣጠቓላሊ ዕንወትን ኪሳራን ምስ መድረግቲ ኣካላት ብምዃን ብናውቲ፣ብሞያን ስነ ልቡናን ዝሕገዝሉ ኩነታት ንምፍጣር ከም ዝስራሕ ኣገንዚበን።ኣብተን ዕንወት ዘጋጠመን ትካላት ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም ብሰንኪ እቲ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝተበታተኑ ናብርኦም ኣብ ምምራሕ ዝነበሩን ወገናት ዳግም ናብ ስርሖም ዝምለስሉን ባይታ ንምፍጣር ከም ዝስራሕ ድማ ሓቢረን።

እቲ ኣብ ትግራይ ዝበፀሐ ጠቕላላ ዕንወት ዘፅንዕ ጉጅለ ከም ዘሎ ኮይኑ ብወገና ክፍፀሙ ዝኽእሉ ዕማማት ንምፍፃም ድልዋት ኢና ድማ ኢሉ እቲ ጉጅለ።ብሓላፊት ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ወይዘሮ ገነት ኣረፈ እዩ ነቲ ዑደት ዝመርሕ ዘሎ።

ብሕሉፍ ካሕሳይ