Home ዜና ዑደት ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ማሕበረሰብ ነጋዶን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ መእኸል...

ዑደት ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ማሕበረሰብ ነጋዶን ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከብ መእኸል ዕዳጋ

625

ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ማሕበረሰብ ነጋዶን ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ  ፍሉይ ቦታ ሰራዋት ኣብ ህንፀት ዝርከብ ዘመናዊ ዕዳጋ ዑደት ኣካይዶም።

ማሕበረሰብ ነጋዶ እቲ ብልዕሊ 540 ሚልዮን ብር ንክህነፅ ዝተጀመረን ሕዚ ህንፀቱ ሰማንያ ሚኢታዊ በፂሑ ዘሎ ማእኸል ዘመናዊ ዕዳጋ ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ኣብ ግልጋሎት ንኽዉዕል ምምሕዳር ከተማ መቐለ መንገድን ከልኦት ንምዝዛም እቲ ህንፃ ዘድልዩ ድጋፍ ክገብር ሓቲቶም።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ መቐለን ኣተሓባባሪ ከይዲ ስራሕ ምልማዕ ንግዲ ኣይተ የዉሃንስ ገብረየሱስ ብማሕበረሰብ ነጋዶ ንዝተለዓለ ሕቶ ንምምላስ እቲ ምምሕዳር ድልዉ ከም ዝኾነን ንቀፃሊ ድማ ተዋዲድካ ከም ዝስራሕ ገሊፆም።

እቲ ዘመናዊ ማእኸል ዕዳጋ ካብ ማእኸል ከተማ ዉፅእ ኢሉ ዝተሃነፀ ብምኻኑ ነቲ ሕዚ ዘሎ ምጭንናቅ ትራፊክ ዘቃልል ምኳኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ

 #ብኣስቴር ገብረስሉስ