Home ዜና ዑደት ኣምባሰዳር ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ትግራይ

ዑደት ኣምባሰዳር ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ትግራይ

511

ብኣምባሳደር ሪፐብሊክ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዥሆ ዥያን ዝምራሕ መንግስታዊ ሓለፍቲ እቲ ኢምባሲን ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ኩባንያታት ቻይናን ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ መቐለ ኣትዩ።ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣቀባብላ ዝገበሩ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ቻይና ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንኽትግበር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ብምምስጋን ቻይና ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግድኣ ከም እትፃወት ዘለዎም እምነቶም ገሊፆም።

ኩባንያታት ቻይና ናብ ስራሕቶም ክምለሱ ብኣና ወገን ዝከኣለና ክንገብር ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኤርትራ ሕዝውን ካብ ዝተፈላለዩ ግዝኣት ትግራይ ከምዘይወፀን እዚ መፍትሒ ክረክብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰርሕ ኣለና ቻይና ድማ ኣብዚ ጉዳይ ብትኹረት ብምስራሕ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምልኡነት ክትግበር ንክትሰርሕ ፀዊዖም።

ከም ትግራይ ዳግመ ህንፀት ዘድልዮ ክልል ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘየለ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው ረዳ በዚ ደረጃ ቻይና ኣብ ትግራይ ደገፍ ንምግባር ዘሎ ምንቅስቃስ ፈላማይ ምኻኑን ኩባንያታት ቻይና ደጊሞም ኣብ ትግራይ ስራሕቶም ከቐፅሉ ብምፅዋዕ መንግስቲ ዝከኣሎ ኩሉ ድጋፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ንክትግበር ብፍላይ ተመዛበልቲ ትግራይ ናብ መረበቶም ክምለሱን ግዝኣት ትግራይ ወሪሩ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ መሬት ትግራይ ለቒቑ ክወፅእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ቻይና ግድኣ ክተበርክት ድማ ፀዊዖም።

ኣምባሰደር ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዥሆ ዥያን ኣምባሳደር ካብ ዝኾኑ ፈላማይ ዑደቶም ምዃኑ ብምግላፅ እዚ ዑደት ቻይና ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክተበርክቶ ትኽእል ነገር ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ቻይና 8 ቢልዮን ዶላር ዝፅጋዕ ኢንቨስትመንት ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ከም እትገብር ብምግላፅ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ምርግጋፅ ሰላምን ኢትዮጵያን ብትኹረት ከምእትሰርሕ ድማ ኣረዲኦም።ብፍላይ ቻይና ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ግድኣ ከምእተበርክት ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር ነዚ ናብ ተግባር ዘሽርፍ ጉጅለ ናብ ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝመፅእ ድማ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕድል ኢንቨስትመንት ሰፊሕ ምዃኑ ኣብ ዑደት ኢንዳስትሪ ፓርክ ምግንዛብ ከምዝኸኣሉን ኩባንያታት ቻይና ነዚ ዕድል ክጥቀሙ ንምግባር ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢሎም።እቲ ጉጅለ ኣብ ሽረን ኣክሱምን ዑደት ዝገበረ እንትኾን ኣብ ከተማ መቐለ ላጪ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ድጋፍ ክገብር እዩ።

#ሃይለሚካኤል ገሰሰ