Home ዜና ዑደት ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ትግራይ

ዑደት ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ትግራይ

566

ኣምባሳደር ቱርኪ በርክ ባራን ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዘትዮም፡፡ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ኢ/ያ በርክ ባራን ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣብ ቁጠባዊ ፣ማሕበራዊን ፓሎቲካዊ ጉዳያት ዘተ ኣሳሊጦም፡፡

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብፍላይ ዝዓነወ መስጊድ ኣልነጃሺ ኣብ ምህናፅ ማእኸል ቱሪስት ክኸውን ከም ዝሰርሕን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርትን ጥዕናን ክሰርሑ ሓበራዊ ምርድዳእ ከም ዝተገብረ ሓላፊ ችፍ ሴክሪተርያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ዳግመ ህንፀት ዘፈር ልምዓት፣ ማሕበራዊ ትኹረት ገይሩ ከም ዝሰርሕ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ዘተ ከም ዝገበሩ ኣምባሳደር ቱርኪ በርክ በራን ገሊፆም፡፡ዝዓነወ መስጊድ ኣልነጃሺ ከም ዝሃንፁን ኣብ ቱርኪ ዘለው ሲቪክ ማሕበረሰብን ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ከም ዝሰርሑን ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢንቨስትመንት ትግራይ ከም ዝዋፈሩ እቶም ኣምባሳደር ሓቢሮም፡፡

ዘላቂ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ብፍላይ መሬት ትግራይ ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ከም ዘሎን ብርክት ዝበለ ህዝቢ ስቓይን መከራን የሐልፍ ከም ዘሎ መንግስቲ ቱርኪ ነዚ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ግድኡ ክፍፅምን ደገፍ ክገብርን ከም ዘለዎ ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ እዩ፡፡ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዑደት ከም ዝገብሩ ድማ ተገሊፁ፡፡

#ብሃፍታይ ባህረ