Home ዜና ዑደት ኣብ ማእኸል ሕክምና ውጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ

ዑደት ኣብ ማእኸል ሕክምና ውጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ

660

ብሓይልታት ፅንተት ዝተፈፀመ ወራር ንምምካት ሂወቶም ንዘሰዉኡ ጀጋኑናን ኣካሎም ንዝኸፈሉ ዉጉኣት ሰራዊትናን ቀፃሊ ሂወቶም ኣብ ምትዕርራይ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ከም ዘሎ ምክትል ፕሬዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ሓቢሮም ።ብምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተመርሐ ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ማእኸል ሕክምና ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ ዝዋሃብ ዘሎ ሕክምናዊ ግልጋሎትን ዘለዉ ፀገማትን ዘላቒ መፍትሒ ንምቕማጥን ዝዓለመ ዑደት ተሳሊጡ።

ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፀሐ ኪሳራ ዓብይ እዩ ዝበሉ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብፍላይ ድማ ስድራ ስዋኣትና ቀፃሊ ሂወቶም ኣብ ምትዕርራይን ንስዋኣትና ዝለዓለ ክብሪ ኣብ ምሃብን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሐሉ ከም ዘሎ ሓቢሮም ።ምስዚ ተዛሚዱ ድማ ይብሉ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ጀጋኑ ዉጉኣትና ኣብ ምሕካም ዝረኣዩ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕን ቀፃሊ ሂወቶም ዉሑስ ንምግባርን እዉን ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ሓደሽቲ ትካላት ኣጣይሹ ይሰርሐሉ ከም ዘሎ ገሊፆም ።ክሳብ ሐዚ ብዉልቀን ብዘይተወደበን መልክዑ ኣብ ዉሽጥን ደገን ዝርከብ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ዉጉኣትና ንምሕጋዝ ዘርኣዮ ተበግሶ ዝናኣዱ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ ሐዚ ንዳሓር ግን በተን ተጣይሸን ዘለዋ ሓደሽቲ ትካላት ኣቢሉ ስድራ ስዋኣትናን ዉጉኣትናን እግሪ ኣብ ምትካልን ሕዉየቶም ኣብ ምርግጋፅን ሓላፍነት ብዘለዎ መንፈስ ክሰርሕ ከም ዝግባእ ፃዉዒት ኣቕሪቦም ።ኣብቲ ዝተኻየደ ዑደት ክሳብ ሐዚ ከይተሓለሉ ዉጉኣት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ምሕካም ሞያዊን ህዝባዊን ሓላፍነቶም ይፍፅሙ ንዘለው ሰብ ሞያ ሕክምና ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብስም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ምስግነኦም ገሊፆምሎም ።

#ብዮሃንስብርሃነ