ዓለምለኸ ባንኪ ኣንበሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ድርቂ ስዒቡ ዝረአ ዘሎ ጥሜት ንምፍታሕ ኣብ ዝቐረበ ፃውዒት እጃሙ ንምብርካት ዓሊሙ 25 ሚልዮን ብር ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣረካቡ።
ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ፕሬዚደንት ዓለም ለኸ ባንኪ ኣንበሳ ኣይተ ዳንኤል ተኸስተ ቁጠባ ትግራይ ንምብራኽን ዘጋጥሙ ማሕበራዊ ፀገማት ብሓላፍነት ንምቅላል ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ብዘሎ ድርቂ ዝፈጠሮ ጥሜት ዝሓልፍ ዘሎ ህይወት ወገናት ንምድሓንን ባንኪ ኣንበሳ ምስ ሰራሕተኛታቱን ቦርድን ብምርድዳእ እቲ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣይተ ዳንኤል ሓቢሮም።
ነቲ ሓገዝ ዝተረኸቡ ካብኔ ሴክሬታሪያት ትልምን ምትእኽኻብ ሃፍትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎዲፋይ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ንምኽልኻል ባንኪ ኣንበሳ ዝገበሮ ሓገዝ ህይወት ምድሓን ወሳኒ ብምዃኑ እቲ ሓገዝ ብህፁፅ ናብ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ ክባፃሕ ከምዝስራሕ ገሊፆም። ጎይትኦም ተኸስተ