Home ዜና ዓለም ለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን

ዓለም ለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን

213
0

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ ብብርኪ ዓለም ንመበል 76 ብብርኪ ሃገር ድማ ንመበል 65 ግዘ “ካብ ልቢ ንሰብኣውነት “ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር ዘሎ ዓለም ለኸ መዓልቲ ቀይሕ መስቀልን ቀይሕ ወርሕን ኣኸቢሩ።

ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ትግራይ አይተ ብርሃነ መኮነን እቲ ማሕበር ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሰብኣውነት መሰረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናወገነ ከም ዝመፀን ሐዚ እዉን ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅልሉን ብምግላፅ ንቐፃሊ እውን ኣብ ሕውየት ህዝቢ ትግራይን ብዕቱብ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም ።

ወኪል ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኒኮላስ ኦሊቨር ብወገኖም እቲ ትካል ኣብ ግዘ ኲናት እውን ኣብ ህፁፅ ምድሓን ህይወት ግቡኡ ይፍፅም ከም ዝነበረ ብምሕባር ሐዚ እውን ኣብ ሰላማዊ ሃዋህው ኮይኑ በቲ ኲናት ዝተጎድአ ሕ/ሰብ ንምሕጋዝን ዝዓነው ትካላት ደጊምካ ንምህናፅን ብትኹረት ከም ዝሰርሑ ኣረጋጊፆም። ህይወት ብርሃነ

Previous articleኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይን ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ባህሊ ኦሮሞን ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም
Next articleመድረኽ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ