Home ዜና ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ራያ ንምምስራት ዝዓለመ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓት ራያ ንምምስራት ዝዓለመ መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

600

ኣብቲ መድረኽ ኣማሓዳሪ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፣መራሕቲ ሃይማኖት ፣ዓበይቲ ዓዲን ተወለድቲን ራያ ተረኺቦም። ኣማሓዳሪ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ መሬት ራያ ሰፊሕ ሃፍቲ ሕርሻን ብርክት ዝበሉ መስሕባት ቱሪዝም ዝወነነ ንምንባር ምችው ኩነታት ኣየር ቆላን ደጉዓን ዝተዓደለ፣ ማሕበራዊ ርክባትና ንምጥንኻር ዝሕግዝ ማሕበረሰባዊ ትውፊት፣ኪነትን ጥበብን ዘማዕበለ እዩ ኢሎም።

እዚ ፀጋታት ብዝግባእ ብምልማዕን ኣብ ረብሓ ብምውዓልን ድማ ህዝቢ ራያ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ሃሰያ ክወፅእን ማሕበረ-ቁጠባዊ ተረባሕነቱ ንምድልዳልን ኣብ ምስራሕ እዚ ማሕበር ናይ ባዕሉ ኣበርክቶ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ።ኣብ ከይዲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባና ዝፈጠሮ ነቓዕ ከም ራያ ማሕበረሰባዊ ሓጎፍ ንምፍጣር ዝተንፀባረቑ ዕንቅፋታት ከም ዘለው ኩሉ፤ነዞም ሓጎፋት ንምፍታሕ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዝተሸከምና ድማ ናይዚ ዘመን ወለዶ ኮይንና ኣለና ኢሎም።

ማሕበራዊ ርክባትና እናጠናኸርና ባህሊ ፖለቲካዊ ምክእኣል እናማዕበልና ህዝቢ ራያ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ድኽነት ንምንጋፍን ዝሓሸ ቁጠባዊ ዓቕሚ ንምህናፅን ኢድን ጓንትን እንኾነሉ ጊዘ እዩ ድማ ኢሎም ኣይተ ሃፍቱ።

#ብሕሉፍ ካሕሳይ