Home ዜና ዓለም ለኸ ትካላት ረዲኤት ነቲ ዘቋረፀኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምጅማር ነቲ ግዳይ ጀኖሳይድ...

ዓለም ለኸ ትካላት ረዲኤት ነቲ ዘቋረፀኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምጅማር ነቲ ግዳይ ጀኖሳይድ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ድርብ በደል ምፍፃም ኢዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ነቒፉ።

458

ዓለም ለኸ ትካላት ረዲኤት ነቲ ዘቋረፀኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምጅማር ነቲ ግዳይ ጀኖሳይድ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ድርብ በደል ምፍፃም ኢዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ነቒፉ።

ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ብዓለምለኸ ትካላት ተራድኦ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝበፅሕ ዝነበረ ሰብኣዊ ረዲኤት ካብ ዝቋረፅ ክልተ ኣዋርሕ ብምሕላፉ ሐዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ጭቡጥ ሓደጋታት ኣድሂቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ማሕበር ናብ ኣመራርሓ ትካል ምግቢ ዓለም (WFP) ኤጀንሲ ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦን ልምዓትን ኣሜሪካ USAIDን፣ናብ መራሕቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ፣ዉድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ዝፀሓፎ ዕላዊ ደብዳቤ እተን ትካላት ረዲኤት ኣብ ትግራይ ምክፍፋል ረድኤት ደው ንምባል ተራእዩ ዘይፈልጥ ውሳነ ካብ ዝወስዳ ዛጊድ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ስእነት ምግቢ ኣሽሓት ወገናት ግዳይ ሞት ኮይኖም ከም ዘለው ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ፈቖዶ መዕቖቢ ተበቲኑ መዓልታዊ ህይወቱ ንምቕፃል ህፁፅ ሓገዝ ረዲኤት ንዝፅበ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ስርዓታዊ ብልሽውና ስልጣን ዘይብሉ ህዝቢ ምቕፃዕ ፍጹም ኢ-ሰብኣውን ዘይስነ-ምግባራውን ኮይኑ ምስ ኩሎም ዓለማዊ ሰብኣዊ መትከላትን ኣሰራርሓታትን ዝምልከት መትከላት እውን ዝጋጮ እዩ ክብል ኮኒንዎ።

ትካላት ረዲኤት ነቲ ዘቋረፀኦ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይምጅማር ነቲ ግዳይ ሰብ ስራሕ ጥሜት፣ገበናት ኲናትን ብሓፈሻ ድማ ግዳይ ጀኖሳይድ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ድርብ በደል ምፍፃም ኢዩ ክብል ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ነቒፉ። ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ እቶም ትካላት ተራድኦ ሐዚ እውን ምስ ሽማግለታት ማሕበረሰብን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓዊሱ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ብምስራሕ ቀጥታዊ ኣወሃህባ ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ብቕልጡፍ ዳግማይ ክጅምሩን ብልሽውና ዝመልኦ መርበባት ንምዕጋት ዝሕግዙ ኣገባባት ክገብሩን ድማ ተላብዩ።