Home ዜና ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ውድብ ምግቢ ዓለምን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ...

ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ውድብ ምግቢ ዓለምን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሎም ስዒቡ፤ ደረጃ ጥሜት ትግራይ ናብቲ ዝኸፍአ ብርኪ ከም ዝዓበየን ናብ ስግኣት ኣምሪሑ ምህላዉን ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ ፀብፂቡ፡፡

520

ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ውድብ ምግቢ ዓለምን ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሎም ስዒቡ፤ ደረጃ ጥሜት ትግራይ ናብቲ ዝኸፍአ ብርኪ ከም ዝዓበየን ናብ ስግኣት ኣምሪሑ ምህላዉን ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ ፀብፂቡ፡፡

ብብርኪ ኢትዮጵያ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ዘድሊዮም 20 ሚልዮን ህዝቢ፤ 24.5 ሚኢታዊ ጥራይ ተበፃሒ ከም ዝኾኑ ዝጠቐሰ ፀብፃብ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ፤ ኣብ ትግራይ ምስ ዝፀንሐ ኩናትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ተተሓሒዙ ግን ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ወዲቑ ምህላዉ ጠቒሱ፡፡ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ጥሜት ዝሰጋገር ዘሎ ቁፅሪ ህዝቢ ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ ዝብል እቲ ፀብፃብ ካብ ዓሚ ተመሳሳሊ ወቕቲ ብሰንኪ ጥሜት ናብ ማእኸላት ሕክምና ዝኸይድ ህዝቢ ብ196 ሚኢታዊ ከም ዝወሰኸ ኣፍሊጡ ፡፡

ነዚ ከቢድ ስግኣት ኣብ ግምት ብምእታዉ ዓለም ለኸ ትካላት ርዲኤት ደው ኣቢለንኦ ዘለዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ከመሓይሻ እንተዘይክኢለን ከቢድ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ከጋጥም ከም ዝኽእል ኦቻ ኣጠንቂቑ፡፡ብሰንኪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ቁፅሪ ብጥሜት ዝተጓሳቐሉ ሰባት ዝያዳ ወሲኹ ከምዘሎን ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢዶም ዝፀንሐ ቀለብ ስለ ዝተወደአ ኣብ 24 ሰዓታት ሓደ ግዘ ጥራይ ክምገቡ ተገዲዶም ምህላዎም ዘመላኸተ ፀብፃብ ኤ ኤፍ ፒ ብግዲኡ፤ እዚ ምልክት ናይ መወዳእታ ብርኪ ጥሜት ምዃኑ ኣመላኺቱ፡፡ብሰንኪ መንግስታዊ ስርቂ፤ ብደረጃ ኢትዮጵያ ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ መሊሱ ንምጅማር ዘኽእል መስርሕን ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ምጥያሹን ዝጠቐሰ እቲ ፀብፃብ፤ ክሳብ ሕዚ ምስ መንግስታት ክልልን ሃገርን እናተራኸበ መረዳእታታት ከፅፍፍ ምፅንሑ ኣመላኺቱ፡፡

ኣብ ዙርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝንቀሳቐሱ ትካላትን በብደረጅኡ ዝርከቡ መንግስታዊ መሓውርን ብምትሕብባር፤ ካብዘለዎ ውሑድ ሃፍቲ ውሱናት ተመዛበልቲ ጉሎመኸዳ መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛት ከም ዝዓደለ ዘመላኸተ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ካብ ዘሎ ጠቕላላ ተመዛባላይ ን54 ሽሕ ወገናት ጥራይ ተበፃሓይ ከም ዝኾነ ገሊፁ፡፡ድሕሪ ምቁራፅ ሰብኣዊ ሓገዝ፤ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሚልዮን ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንስቓይ ተጋሊፁ ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ግን ደመና ስግኣት ኣንፀላሊዩዎ ኣሎ፡፡

ዘለናሉ ስዓት ሰብኣዊ ሓገዝ ይፅበ ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዝኸፍአ እዋን እዩ ዝበለ ኦቻ፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀልጢፉ እንተዘይተጀሚሩ ብርኪ ሞትን ጥሜትን ብተዓፃፃፊ ክዛይድ ከም ዝኽእል ሓቢሩ፡፡ዘለናሉ እዋን ሰብኣዊ ሓገዝ እንፅበየሉ ስዓይ ጥራይ ኣይኮነን፡፡ እቲ ሰዓት ህፁፅን ወሳናይን እዩ ዝበለ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ኣንፀላሊዩ ካብ ዘሎ ሓደጋ ክድሕን ይግባእ ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ዓለም ለኸ ሰብ ሞያን ምሁራንን ትግራይ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መጝለፂ፤ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ውዕሊ ፕሪቶርያ እውን ግዳይ ሞትን ስቓይን ኮይኑ ይቕፅል ምህላዉ ብምግላፅ፤ ውድብ መግቢ ዓለም ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካን ዘቋረፅዎ ሰብኣዊ ሓገዝ ቀልጢፎም ክጅምሩ ዝጠልብ ደብዳቤ ከም ዝፀሓፈ ኣፍሊጡ፡፡

ገ/ኣብሄር ሃይሉ