Home ዜና ዓመታዊ ዋዕላ ዝኽረ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ

ዓመታዊ ዋዕላ ዝኽረ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ

828

ዓመታዊ ክብረ በዓል ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ “ኣበርክቶታት ቅዱስ ያሬድ ንዕብየት ትምህርቲ” ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ብዘተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ። እቲ ብምትሕብባር ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱምን ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ጽዮን ካብ ሎሚ 8 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ 11/2015 ዓ/ም ግንቦት ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ክብረ በዓል ዝኽረ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ወልሳነ ግዕዝ “ኣበርክቶታት ቅዱስ ያሬድ ንዕብየት ትምህርቲ” ብዝብል ቴማ ኢዩ ኣብ ምክያድ ዝርከብ።

እቲ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ዝኽበር ዘሎ ዓመታዊ ዝኽሪ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ወልሳነ ግዕዝ ኣብ ናይ ሎሚ ዉዕልኡ ሊቀ ዜማ ቅዱስ ያሬድ ኣብ መዋእሉ ንዓለም ዘበርከቶም ስራሕቲን ዘድሃቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ዝተገበረ እንትኾን ኤግዚቪሽን ስእሊን ዉፅኢታት ምህዞ ቅዱስ ያሬድን ተሳሊጡ።ኣብቲ ክብሪታት ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ዝዝክሩ ምርኢታት ብምክያድ ዝሳለጥ ዘሎ ስነ-ስርዓት ኣካያዲ ስራሕ ሃገረስብከት ዞባ ማእኸል ትግራይ በኩረ ሊቃዉንት ጎደፋ መርሃን ሊቃዉንቲ ቤተ ክርስትያንን ተምሃሮ ቤት ትምርቲ ሰንበትን ፣ ሓላፊ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ኣክሱም ኣይተ ገብረመድህን፣ ሙሁራት ኢንስቲትዩት ኣርኪዮሎጂን ቱሪዝም ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም ።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ