Home ዜና ዓንዲ ህላወ ትግራይ ዝኾነ ሓረስታይ ናብ ንቡር መነባብሮኡን ክረምታዊ ማእቶትን ንኽኣቱ ኩለመዳይ...

ዓንዲ ህላወ ትግራይ ዝኾነ ሓረስታይ ናብ ንቡር መነባብሮኡን ክረምታዊ ማእቶትን ንኽኣቱ ኩለመዳይ ሓገዝ ክግበረሉ ከም ዝግባእ ተሐቢሩ።

493

“ውሕስና ስድራቤትናን ማሕበረሰብን ንምርግጋፅ ኣብ ጎኒ ሓረስታይ ትግራይ ደው ንበል”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ተሳሊጡ።

ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ኣምባሳደር ፀጋይ በርሀ ሓይልታት ፅንተት ፣ ጥሪት ሓረስታይ ትግራይ በሊዖምን ሃፍቲ ተፈጥሮኡ ኣብሪሶምን ብህይወት ንዝተረፈ ሓረስታይ ድማ ብጥምየት ክረግፍ ናውቲ ሕርሽኡ ጉሒሎም ገበን ዘርኢ ምፅናት ከምዝፈፀሙን እዚ ተግባር ይቕፅል ምህላዉን ኣገንዚቦም።

ሓረስታይ ትግራይ ኣብ መኸተ ዘርኣዮ ዝናኣድ ህዝባዊ ተሳትፎ ሐዚ እውን ተጀሚሩ ዘሎ ተነጻጻሪ ሰላም ሙሉእ ንምግባር ውዳበታቱን ሓድነቱን ብምጥንኻር ክዓምም ይግባእ እውን ኢሎም ኣምሳደር ጸጋይ በርሀ።

ሓረስታይ ትግራይ ኣብ ሕሉፋት ናይ መኸተ እዋናት ዘርኣዮም ናይ ኣይሳዓርን ሕላገት ንምዕቃብን ናብ ሓደሽቲ ወለዶ ንምስግጋርን ድማ ከም መንግስቲ ኮነ መድረግቲ ኣካላት ክዓምሉ ይግባእ ኢሉ ኣብቲ መድረክ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረበ ጋዜጠኛን ደራሲን ሃይላይ ሓድጉ።

እዚ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ግዳይ ጀኖሳይድ ዝኾነ ሓረስታይና ናብ ንቡር ሂወቱ ንምምላስን መነባብርኡ ንምምሕያሽን ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትኲረት ሂቡ ክሰርሐሉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

ሓረስታይ ትግራይ ንምሕዋይን ትግራይ ዳግም ንምህናጽን ድማ ግደ ነብሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዝጠልብ ብምዃኑ በብዓውደ ሞያኡ ብቅንዕናን ተወፋይነትን ኣብ ምሕጋዝ ክዓምም ይግባእ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ንሓረስታይ ትግራይ ዘለዎ ነባራዊ ኩነታትን ንመፃኢ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገማት ከመይ ምውፃእ ከም ዝኽእል ዝገልፁ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም እዮም።

#መርሃዊ_ተስፋን