Home ዜና ዓወት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ

ዓወት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ

1771

ሰራዊት ሓርነት  ኦሮሞ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዓወት የመዝግብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ንምጥፋእ ዘካየዶ ወፍሪ ይፈሽል ምህላዉን፤ መራ ክፍለ ሰራዊት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወታደራት እቲ ጉጅለ ፋሽስት ከምዝተማረኹን ከም ዝሞቱን ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሰፍ ዘይብል ክሳራ የብፅሕ ምህላዉ ዝሓበረ መግለፂ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፤ እቲ ፋሽስታዊ ጉጅለ ኣብ መብዛሕቲኤን ዞባታት ኦሮሚያ ከካይዶ ዝቐነየ ወፍሪ፤ ብዓወት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተፀንቢሉ ይቕፅል ምህላዉ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ከባቢታት ቦሮና ካብ ድሬ ክሳብ ሊበን ኣብ ዘለዉ ቦታታት ንፍተሻ ኣብ ልዕሊ ዝተንቀሳቐሱ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው ምዉታትን ቁሱላትን ዝገበሮም ኮይኑ፤ ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ጉጂ ወረዳ ጎሮ ኣዶላ፣ ስሬ ቡኪ፣ ሁርቡኬሳ ከምኡ ድማ ከተማ ኣዳዲ ንምቁፅፃር ኣብ ልዕሊ ዝተልኣኸ ሰራዊት ፋሽስት ብዝወሰዶ ተደጋጋሚ ፀረ መጥቃዕቲ 69 ምውታትን 47 ቁሱላትን ከም ዝገበረ ገሊፁ፡፡

ብመሰረት መግለፂ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፤ ኣብ ዞባ ጊጂ ሊበን ለጋጉላ ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ ቡሌሆራ ኣብ ዝርከቡ ወታደራዊ መዓስከራት ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ፤ 34 ብምቕታል ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት እቲ ጉጅለ ብምምራኽ እቲ ወታደራዊ መዓስከር እውን ኣብ ኢድ ቁፅፅር ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምእታዉ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዞባ ጉጂ ከባቢታት መልካ ለሚ፣ መልካ ጉባን መልካ ሮቃን ሙሉእ ዓወት ምሕፋሱ ዝገለፀ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፣ 168 ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ከም ዝቐተለን ልዕሊ 200 ከም ዘቑሰለን ሓቢሩ፡፡

ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ልዑል ምድላው ተጌርሉ ይካየድ ዘሎ ናይ ሓደ ወርሒ ወፍሪ፤ እቲ ጉጅለ ፋሽስት ከም ዝሓሰቦ ዘይኮነስ ዓወት ኣብ ኢድ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምህላዉ ዝገለፀ ኦዳ ተርቢ፤ ኣብቲ ክሳብ ሐዚ ዝተኻየደ ምክልኻልን ፀረ መጥቃዕቲን፤ ሓደ ኮለኔል ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ወታደራት ከም ዝተማረኹን ከም ዝቖሰሉን ከምኡ ድማ ብርክት ዝበሉ ፈኮስቲ ኣፅዋራት ከምዝተማረኹ ሓቢሩ፡፡

ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዞባ ሰሜን ሽዋ 3 ወረዳታት ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዕሊ 100 ወታደራት ፋሽስት ከም ዝቐተለ ዝሓበረ መግለፂ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፤ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሽዋ ግንደ በረት ከምኡ ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሽዋ ከባቢ ፈንታሌ ልዑል ዓወት ከም ዝዓተረ ብምሕባር፤ ከተማታት ወለንጭቲ፣ ዶንን ቦሌን  ዝተብሃላ ከተማታት ኣብ ኢድ ቁፅፅሩ ምእታወን ገሊፁ፡፡

ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንምዝዛም ዘካየዶ ወፍሪ፤ ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ፍሉይ ሓይሊ ዝተፈላለያ ክልላት፣ ገበቲ ሓይሊ ኣምሓራን ወታደራዊ ድሕንነትን ኣዋዲዱ ዝወፈረ እኳ እንተነበረ ኣብ ናይ 3 ሰሙናት ፃንሒት ግና ዓወት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ የቃላጥፍ ምህላዉ ወሃቢ ቃል ኦዳ ተርቢ ሓቢሩ፡፡ 

ብገ/እግዚኣብሄር ሃይሉ