ኣብ ሓዱሽ ዓመተ ፈረንጂ 2024 ፈለማይ ውድድር ኣብ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ቦስተን ብምስታፍ ዘመዝገበኦ ዓወት ንዝቕፅሉ ውድድራት ብዝሓሸ ብቕዓት ንኽቐርባ ዝሕግዝ እዩ ክብላ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ብርቀይ ሓየሎምን ሓቢረን
ኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን 2024 ካብ ዝኣቱ ኣብ ከተማ ቦስተን ኣብ ዝተሳለጠ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ብምስታፍ ናይዚ ዓመት ውድድራ ዝጀመረት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ንዝተመደበ ርሕቐት 1500 ሜትሮ ብ3 ደቂቓ 58 ሰከንድን 11 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ እያ
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2024/02/q.jpg)
ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዓወት ዘመዝገበት ትግራወይቲ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ዘመዝገበቶ ዓወት ዝቕፅል ኣብ ዝህልዋ ውድድራት ብፅቡቕ ቑመና ብቕዓት ንምቕራብ ከም ዝሕግዛ ድማ ተዛሪባ
ውድድር ውሽጢ ገዛ ኣዝዩ ፈታኒን ዓወት ንምምዝጋብ ልምዲ ዝሓትትን ውድድር ምዃኑ ትገልፅ ኣትሌት ጉዳፍ ቅድሚ እቲ ውድድር ዝነበራ ቅድመ ምድላው ውፅኢት ንኽተመዝግብ ከምዘኽኣላ እዩ ብስልኪ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝነበራ ፃኒሒት ገሊፃ
ኣብ ዝቕፅሉ ውድድራት መርሃ ግብሪ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ክትወዳደር እውን ዘይክትወዳደር እውን ከምእትኽእል ትዛረብ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ቀንዲ ጠመትኣ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝሳለጥ ኦሎምፒክ ዓወት ምምዝጋብ ምዃኑ እዩ ሓቢራ
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2024/02/q2.jpg)
ኣብ ሻምፒዩና ዓለምን ሻምፒዩና ውሽጢ ገዛን ብተደጋጋሚ ጎብለል ብምዃን ዘመዝገበቶ ድሙቕ ዓወት ኣብ ኦሎምፒክ ንምድጋም ከም እትሰርሕ ትዛረብ ኣትሌት ጉዳፍ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኦሎምፒክ ተሳቲፋ ዝመዝገበቶ ደረጃ ነሓስ ናብ ወርቂ ክብ ንምባል ክሰርሕ እየ ኢላ
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፍ ብትሕቲ 20 ዓመት ሓዱሽ ክብረወሰን ዘመዝገበት ኣትሌት ብርቀይ ሓየሎም ዘመዝገበቶ ውፅኢት ፍናን ከም ዝፈጠረላ ብምሕባር ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝሳለጡ ዝተፈላለዩ ውድድራት ብምስታፍ ዝበለፀ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከም እትሰርሕ ተዛሪባ።
ኣብ ትሕቲኡ ዝስልጥና ክልቲአን ኣትሌታት ብዘመዝገብኦ ውፅኢት ሕጉስ ምዃኑ ዝገለፀ ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጎ ብወገኑ ብፍላይ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመት ዓወት ብምምዝጋባ ኣብቲ ውድድር ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ኣትሌት ምዃና ገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ኣትሌይ ብርቀይ ሓየሎም ዘመዝገበቶ ሓዱሽ ክብረወሰን ቀፃሊ ዝሓሸ ደረጃ እትበፅሕ ኣትሌት ምዃና ዘመላኽት እዩ ኢሉ ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጎ።
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2024/02/q3.jpg)
ኣትሌት ብርቀይ ነዚ ክብረወሰን ቅድሚ ምምሕያሻ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጎ ዝስልጥና ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓደ ግዘ ኣትሌት ለምለም ሃይሉ ድማ ክልተ ግዘ ነቲ ክብረወሰን ኣመሓይሸን ምንባረን ይዝከር።
ብክብሮም ተስፋይ