Home ስፖርት ዓወት ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ቦስተን

ዓወት ተጋሩ ኣትሌታት ኣብ ቦስተን

247

ኣብ ሓዱሽ ዓመተ ፈረንጂ 2024 ፈለማይ ውድድር ኣብ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ቦስተን ብምስታፍ ዘመዝገበኦ ዓወት ንዝቕፅሉ ውድድራት ብዝሓሸ ብቕዓት ንኽቐርባ ዝሕግዝ እዩ ክብላ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ብርቀይ ሓየሎምን ሓቢረን

ኣቆፃፅራ ኣውሮፓዊያን 2024 ካብ ዝኣቱ ኣብ ከተማ ቦስተን ኣብ ዝተሳለጠ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ብምስታፍ ናይዚ ዓመት ውድድራ ዝጀመረት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ንዝተመደበ ርሕቐት 1500 ሜትሮ ብ3 ደቂቓ 58 ሰከንድን 11 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ እያ

ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዓወት ዘመዝገበት ትግራወይቲ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ዘመዝገበቶ ዓወት ዝቕፅል ኣብ ዝህልዋ ውድድራት ብፅቡቕ ቑመና ብቕዓት ንምቕራብ ከም ዝሕግዛ ድማ ተዛሪባ

ውድድር ውሽጢ ገዛ ኣዝዩ ፈታኒን ዓወት ንምምዝጋብ ልምዲ ዝሓትትን ውድድር ምዃኑ ትገልፅ ኣትሌት ጉዳፍ ቅድሚ እቲ ውድድር ዝነበራ ቅድመ ምድላው ውፅኢት ንኽተመዝግብ ከምዘኽኣላ እዩ ብስልኪ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝነበራ ፃኒሒት ገሊፃ

ኣብ ዝቕፅሉ ውድድራት መርሃ ግብሪ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ክትወዳደር እውን ዘይክትወዳደር እውን ከምእትኽእል ትዛረብ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ቀንዲ ጠመትኣ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝሳለጥ ኦሎምፒክ ዓወት ምምዝጋብ ምዃኑ እዩ ሓቢራ

ኣብ ሻምፒዩና ዓለምን ሻምፒዩና ውሽጢ ገዛን ብተደጋጋሚ ጎብለል ብምዃን ዘመዝገበቶ ድሙቕ ዓወት ኣብ ኦሎምፒክ ንምድጋም ከም እትሰርሕ ትዛረብ ኣትሌት ጉዳፍ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ኦሎምፒክ ተሳቲፋ ዝመዝገበቶ ደረጃ ነሓስ ናብ ወርቂ ክብ ንምባል ክሰርሕ እየ ኢላ

ብተመሳሳሊ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፍ ብትሕቲ 20 ዓመት ሓዱሽ ክብረወሰን ዘመዝገበት ኣትሌት ብርቀይ ሓየሎም ዘመዝገበቶ ውፅኢት ፍናን ከም ዝፈጠረላ ብምሕባር ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝሳለጡ ዝተፈላለዩ ውድድራት ብምስታፍ ዝበለፀ ውፅኢት ንምምዝጋብ ከም እትሰርሕ ተዛሪባ።

ኣብ ትሕቲኡ ዝስልጥና ክልቲአን ኣትሌታት ብዘመዝገብኦ ውፅኢት ሕጉስ ምዃኑ ዝገለፀ ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጎ ብወገኑ ብፍላይ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ሻምፒዪና ውሽጢ ገዛ ዓለም ንተኸታታሊ ሓሙሽተ ዓመት ዓወት ብምምዝጋባ ኣብቲ ውድድር ፍሉይ ቦታ ዘለዋ ኣትሌት ምዃና ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ኣትሌይ ብርቀይ ሓየሎም ዘመዝገበቶ ሓዱሽ ክብረወሰን ቀፃሊ ዝሓሸ ደረጃ እትበፅሕ ኣትሌት ምዃና ዘመላኽት እዩ ኢሉ ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጎ።

ኣትሌት ብርቀይ ነዚ ክብረወሰን ቅድሚ ምምሕያሻ ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ሕሉፍ ይሕደጎ ዝስልጥና ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ሓደ ግዘ ኣትሌት ለምለም ሃይሉ ድማ ክልተ ግዘ ነቲ ክብረወሰን ኣመሓይሸን ምንባረን ይዝከር።

ብክብሮም ተስፋይ