Home ዜና ዓዲ ዳዕሮ መቐፀልታን መግለፅን ጭካነ ፀለእቲ!

ዓዲ ዳዕሮ መቐፀልታን መግለፅን ጭካነ ፀለእቲ!

669

ተምሃሮ ቤቴልሄም ሃይለስላሰ፣ ህሊና ግደይ፣ ብርቱኳን ሓጎስን መቡ ዓሊን ነዚ ዝፈረሰ ዑና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም 17/ 2015 ዓ.ም ፀለእቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ነበርቲ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ብነፈርቲ ዝጨፍጨፍሉ ኣሰር ኰይኖም ብተዘክሮ የመዓድዉ ኣለዉ። ዓሚ ከምዚ ሎሚ ብከበድቲ ብረትን ነፈርትን ከተማ ዓዲ ዳዕሮ እናተሓረሰትን ናብ መቕሎ እናለወጥዋን እዞም ህፃናት ኣብ ሕቕፊ ወለዶም ኰይኖም መሪር ስቓይ ዘሕለፉ እዮም። አእጋሮም ነናብ ዝመርሖም ሃፅ ኢሎም ተበታቲኖም ድሕሪ ምፅናሕ ዝተኣኻኸቡ እዮም።

እዞም ህፃናት “ዓሚ ከመይ ትዝክርዎ?” እንተኢልካዮም፣ “ነፈርቲ ሃንደበት መፂኤን ደብዲበናና። ጎረባብትና፣ መማህርትና፣ አሕዋትናን ኣሓትናን ተቐቲሎም። ኣብ ቅድሜና ሰብ ይወድቕ ነይሩ….”ብምባል ኣብ ሕልነኦም ዝተረፈ ኣሰር ዋይታን! እህህታን! ይገልፁ።

ተምሃሮ ቤቴልሄም ሃይለስላሰ፣ ህሊና ግደይ፣ ብርቱኳን ሓጎስን መቡ ዓሊን ኣብዚ ፍርስራስ አእማን ቅንጥብጣብ ኣካላት ደቂ ሰብ ከምዘሎ ይፈልጡ እዮም። ጎረባብቶም፣ መተዓብይቶምን መማህርቶምን ብሃንደበት ከምዝጠፍኡ ይርድኡ እዮም። “ትምህርቲ ጀሚርክምዶ?” ሕቶና እዩ። ንሳቶም ድማ መርየት ብአእጋሮም እናቆስቆሱን ብሕዙን ልቦናን፣” ኣበይ ኰይንና ክንጅምር?!” ንሕቶና ብሕቶ ይምልሱ። ሓቆም እዮም!፣ ኣብ ከተማ ዓዲ ዳዕሮ ዋላ ሓንቲ ዝተረፈ ማሕበራዊ ኣገልግሎት የለን። ተወሪሩ፣ ተቓፂሉን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኰይኑን እዩ። እተን ገሊኤን ህንፃ ጥራሕ ዝተረፋ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ተመዛበልቲ ወገናት “ስለ ዝነብሩለን” ተረፍ ሞት ዝዀኑ ህፃናት ዓዲ ዳዕሮ መኣዲ ትምህርቲ ኣይረኽቡን።

እዞም ህፃናት ክስከምዎ ዘይኽእሉ ዝኽሪ ሕልና ፀይሮም፣ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተዀሊፎም፣ ኣብቲ ፍርስራስ አእማን ዘሎ እህህታን ቃንዛን ብእዝነ ሕልና እናዘከሩ ስሩዕ ህይወቶም ዝጅምርሉ መዋእል ይፅበዩ ኣለዉ። በዓል መውሊድን መስቀልን ሎሚ ዓመት እምብኣር ብዝኽርን ተስፋን የሕልፍዎ ኣለዉ።

ካብዚ ብምብጋስ እዩ፣ “ትግራይ ሰማእታት_እዮም ተነፂፎማ!” ዝብሃል። እዞም ኩሎም ሰማእታት ውልቃዊ ባህግታትን ድሌታትን ጥራሕ ዘይኰነስ ዘይትትካእ ህይወቶም ኣወፍዮም እዮም። እቲ ዝተረፈ እሙን ተቐባሊ ሕድሪ ንምኳን ካልእ መወከሲ እንታይ ኣሎ?! ኣብዚ መድረኽ ኰይንና ኩሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ግፍዒ እንትንሓስብ ኣብ ሕድሕዱ ተሓሊጉ ዘሎ በሰላ ዝሓውየሉ እንኮ መማረፂ ሓድነት፣ ምትሕግጋዝን ምምዕዳው ብሩህ መፃእን ጥራሕ እዩ።

ነዚ ዝምልከት ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ቦታ ሰማእት ተረኺቡ ሰፊሕን ዓሚዮቕን ትሕዝቶታት ከምዘቕርብ በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር።

ብየማነ ገብረሚካኤል