Home ዜና ዓፋር ፌዴራላዊ ዴምክራሲያዊ ፓርቲ (ኣፌዴፓ)ኣብ ክልል ዓፋር ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ኣብቲ...

ዓፋር ፌዴራላዊ ዴምክራሲያዊ ፓርቲ (ኣፌዴፓ)ኣብ ክልል ዓፋር ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ኣብቲ ክልል ምስ ዘለው ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብሰላማዊ መንገዲ ንምዝታይ ከም ዝወሰነ ኣብ ዘሳለጦ ፈላማይ ምስረታ ጉባኤኡ ገሊፁ።

550

ዓፋር ፌዴራላዊ ዴምክራሲያዊ ፓርቲ (ኣፌዴፓ)ኣብ ክልል ዓፋር ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ኣብቲ ክልል ምስ ዘለው ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብሰላማዊ መንገዲ ንምዝታይ ከም ዝወሰነ ኣብ ዘሳለጦ ፈላማይ ምስረታ ጉባኤኡ ገሊፁ።

እቲ ፓለቲካዊ ውድብ ፌዴራሊስት ሓይሊታት ዓፋር ብዝብል ስያመ ንኽልተ ዓመት ክቃለሰሉ ንዝነበረ ሽሙ ናብ ኣፋር ፌዴራላዊ ዴምክራሲያዊ ፓርቲ (ኣፌዴፓ) ዝብል ሽም ዝቐየረ ኮይኑ ኣብ ዘሳለጦ ፈለማይ ጉባኤኡ ድማ 35 ማእኸላይ ኮሚቴ ኣባላት ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድብ ብምምስራት ንነበር ፕሬዝደንት ክልል ዓፋር ሓጂ ስዩም ኣወል ኣቦወንበር እቲ ውድብ ክኾኑ ብሙሉእ ድምፂ መሪፁዎም ኣሎ።

ዓፋር ፌዴራላዊ ዴምክራሲያዊ ፓርቲ (ኣፌዴፓ) ኣብ ዘሳለጦ ፈላማይ ጉባኤ ብርክት ዝበሉ ኣባላቱን ተሳተፍቲ ዕዱማትን ኣብ ዝተረኸብሉ ጉባኤኡ ዘሳለጠ ኮይኑ ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፈለሉ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ከይተሸራረፈ ንረብሓ ኩሎም ብሄራትን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብዝጠቅም መንገዲ ተግባራዊ ንክኸውን ብሰላማዊ መንገዲ ከምዝቃለስ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕሊ ሰላም ብሙሉኡነት ንክትግበር ሓጋዛይ ኮይኑ ከምዝሰርሕ ኣብ ዘሳለጦ ፈላማይ ምስረታ ጉባኤኡ ዝገለፀ ዓፋር ፌዴራላዊ ዴምክራሲያዊ ፓርቲ (ኣፌዴፓ) ብዓል 5 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

#ኣሸናፊ ዳርጌ