Home ዜና ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ናይ ሕሉፍ 2 ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ኣብ ውሽጢ 6...

ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ናይ ሕሉፍ 2 ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ንዝኸፍሉ ካብ ወለድ ነፃ ከምእትገብር ኣፍሊጣ፡፡

544

ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ናይ ሕሉፍ 2 ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ንዝኸፍሉ ካብ ወለድ ነፃ ከምእትገብር ኣፍሊጣ፡

፡ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ኣብ ዘካየደቶ ህፁፅ ጉባኤ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት ተሓሳቢ ብምግባር ናይ ሕሉፍ 2 ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ንዝኸፍሉ ኣባላታ ካብ ወለድ ነፃ ከምእትገብር ኣባላት ቤት ምኽሪ እታ ማሕበር ከምዝወሰኑ ኣቦ መንበር ቦርድ እታ ማሕበር ኣይተ ኣብርሃለይ ተክለማርያም ገሊፆም፡፡

ካብቲ ዝተጠቐሰ ስራሕቲ ብተወሳኺ ኣባላታ ተጠቀምቲ ንምግባር እታ ማሕበር ናይ እንቨስትመንት ስራሕቲ ንምጅማር ትሰርሕ ከም ዘላ እውን ተሓቢሩ ፡፡

ልዕሊ 9 ሽሕ ኣባላት ዘለዉዋ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ካብ እትጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ንልዕሊ 2000 ኣባላታ ልዕሊ 410 ሚልየን ብር ልቓሕ ብምሃብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተዋፊሮም ዓርሶምን ሕ/ሰቦምን ክልወጡን ተረባሕቲን ክኾኑን ከምዝገበረት ድማ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ እዩ፡፡

#ኣበባ ፅጋቡ