ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ናይ ሕሉፍ 2 ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ንዝኸፍሉ ካብ ወለድ ነፃ ከምእትገብር ኣፍሊጣ፡
፡ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ኣብ ዘካየደቶ ህፁፅ ጉባኤ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት ተሓሳቢ ብምግባር ናይ ሕሉፍ 2 ዓመታት ውዙፍ ዕዳ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ንዝኸፍሉ ኣባላታ ካብ ወለድ ነፃ ከምእትገብር ኣባላት ቤት ምኽሪ እታ ማሕበር ከምዝወሰኑ ኣቦ መንበር ቦርድ እታ ማሕበር ኣይተ ኣብርሃለይ ተክለማርያም ገሊፆም፡፡
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/m-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/m1-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/m2-1-1024x576.jpg)
ካብቲ ዝተጠቐሰ ስራሕቲ ብተወሳኺ ኣባላታ ተጠቀምቲ ንምግባር እታ ማሕበር ናይ እንቨስትመንት ስራሕቲ ንምጅማር ትሰርሕ ከም ዘላ እውን ተሓቢሩ ፡፡
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/m3-1-1024x768.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/m4-1-1024x576.jpg)
![](https://tigraitv.com/wp-content/uploads/2023/06/m5-1024x576.jpg)
ልዕሊ 9 ሽሕ ኣባላት ዘለዉዋ ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን መሓዙት ካብ እትጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ንልዕሊ 2000 ኣባላታ ልዕሊ 410 ሚልየን ብር ልቓሕ ብምሃብ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ተዋፊሮም ዓርሶምን ሕ/ሰቦምን ክልወጡን ተረባሕቲን ክኾኑን ከምዝገበረት ድማ ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ እዩ፡፡
#ኣበባ ፅጋቡ