Home ዜና ዕበ ለገሰ ተዓዋቲ ውድድር ምህዞ ኣቬሽን

ዕበ ለገሰ ተዓዋቲ ውድድር ምህዞ ኣቬሽን

2213

መንእሰይ ዕበ ለገሰ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ኖርዘርን ስታር ኣቬሽን ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ሓላፊ ቢሮ ኢኖቬሽን፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ዶክተር ከላሊ ኣድሃና መንእሰይ ዕበ ብደረጃ ኢትዮጵያ ካብ 90 ተወዳደርቲ ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋቱ ከም ዝተሓጎሱ ብምግላፅ ካልኦት መናእሰይ ትግራይ ኣሰሩ ክስዕቡ ፀዊዖም።

ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣኽስዮን ንግዲ ኖርዝ ስታር ኣቬሽን ኣይተ ቃለ-ክርስቶስ ልኡል ሰገድ፣ ዕላማ መንእሰይ ዕበ ለገሰን ካልኦት ዕውታት ሰብ ሞያ ኣቬሽን ንምጥንኻር ኖርዘርን ስታር ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

መንእሰይ ዕበ ለገሰ ብግዲኡ ንዝተገበረሉ ኣቀባበል ብምምስጋን መናእሰይ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ብዘጋጠመ ከቢድ ፈተናታት ከይተሰኮኑ ክእለቶምን ዕላምኦምን ጋህዲ ንምግባር ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ተስፋ ሰላም ናብ ረብሓ ክቕይርዎ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

መንእሰይ ዕበ ለገሰ ዝተበርከተሉ 100 ሽሕ ብር ሽልማት ንተመዛበልቲ ከምዘወፈየ ዝዝከር እዩ።

ብጎይትኦም ተኸስተ