Home ዜና ዕንቅፋት ስምምዕነት ስላም ዕጡቓት ኣምሓራን ኤርትራን 

ዕንቅፋት ስምምዕነት ስላም ዕጡቓት ኣምሓራን ኤርትራን 

738

ዘደንቕ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብሰንኪ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዕንቅፋት ይገጥሞ ኣሎ፤ ኣ.ኤፍ.ፒ

ዓለም ዝተደነቐሉ ስምምዕነት መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን፤ ብሰንኪ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዕንቅፋት ይገጥሞ  ምህላዉ ኤኤፍፒ ፀብፂቡ፡፡

ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ፤ መራሕቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝፈፀምዎ ስምምዕነት ዘደንቕ ምዃኑን ኣብ መፃብብ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ምድሓን ርኡይ ግደ ከም ዝተፃወተን ዘመላኸተ ኤ ኤፍ ፒ፤ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ መሬት ንምትግባር ፈተናታት ይገጥምዎ ምህላዎም ኣረጋጊፁ፡፡

ምስ ማእኸል ዜና ኤ ኤፍ ፒ ፃንሒት ዝገበሩ ተንታኒ ፓትሪክ ፋራስ ከም ዝገለፅዎ፤ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ሓይሊታት ዘርእይዎ ዘለዉ ምርድዳእ እቲ ስምምዕነት ንምትግባር ዘፀግም ኣይመስልን፡፡

ንስምምዕነት ፕሪቶርያ ስዒቦም፤ መንግስታዊ ወሃብቲ ግልጋሎትን ብውሱን መልክዑ  እንተኾነ እውን ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ፍታሕ ምርካቦም ዝገለፁ ፓትሪክ ፋራስ፤ ድሕሪኡ ዘለዉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ግን ምድንጓይ ዝተመልኦን፤ ሰራዊት ኤርትራን ሓይሊታት ኣምሓራን ሕዚ እውን ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ካብ መሬት ትግራይ ዘይምውፀኦም ዘሻቕል ምዃኑ ጠቒሶም፡፡

ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ  ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ ስትራቴጂያዊ መፅናዕቲ ተማራማሪ ቤንጃሚን ፓትርኒ ብግዲኦም፤ ኣብ ክልቲኦም ተወዓዓልቲ ዝረአ ምቅርራብ ዝነኣድ እኳ እንተኾነ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚዲያታትን ዓለም ለኻዊ መርመርቲን ናብ ትግራይ ከይኸዱ ገደብ ኣንቢሩ ምህላዉ ስግኣቶም የቐምጡ፡፡

መንግስቲ ትግራይ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኣጣይሹ፣ ከበድቲን ማእኸለዎትን ኣፅዋር ኣውሪዱ ኣሎ፤ ዝበሉ ቤንጃሚን ፓትርኒ፤ ሓይሊታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ መሬት ትግራይ ዘይምውፀኦም ተወሳኺ ሓደጋ ምዃኑ ይጠቕሱ፡፡

ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ ተግባር ክልወጥ ኣለዎ፡፡ ወረርቲ ሓይሊታት ካብ መሬት ትግራይ ምውፃእ ጥራሕ ዘይኮነስ ተሓታትነት ክረጋገፅ ይግባእ ዝበሉ ፓተርኒ፤ ኣብ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይሊታት ብጥፍኣቶም ልክዕ ክፍረዶም ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ደማዊ ኲናት ንምክሕሓስ፤ ኣብ መንጎ ተወዓዓልቲ ሓይሊታት ዝበለፀ ምቅርራብን ምርድዳእን ወሳናይ ምዃኑ ዝጠቀሱ ኤ.ኤፍ.ፒ ዘዘራረቦም ፖለቲከኛታት፤ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት መሊስካ ንምሕዋይ ካብ 10 ዓመታት ዘይንእስ ግዘ ክጠልብ ከም ዝኽእል ኣመላኺቶም፡፡

ልዕሊ 85 ሚኢታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ከም ዝዓነዋን፤ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ተፀባይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ ምህላዉን መረዳእታታት ብምጥቃስ ዘረጋገፀ ኤ ኤፍ ፒ፤ ትግበራ ስምምዕነት ፕሪቶርያ እንትበሃል መሬት ትግራይ ካብ ሓይሊታት ኣምሓራን ኤርትራን ናፃ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ዳግመ ሕውየት ትግራይ እውን ዝጠልብ ምዃኑ ጠቒሱ፡፡