Home ዜና ” ዕዳና ብዙሕ እዩ ” ሓጂ ኢብራሂም ቱፏ ፕሬዝዳንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና...

” ዕዳና ብዙሕ እዩ ” ሓጂ ኢብራሂም ቱፏ ፕሬዝዳንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ኢ|ያ

495

ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ኢ|ያ ድሕሪ ስምምዕነት ዉዕሊ ፕሪቶርያ ህወሓትን መንግስቲ ኢ|ያን ናብ ትግራይ ምብፅሕ ጌሩ ሎ።

ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ኢ|ያ ፈላማይ እግሩ ትግራይ ዝረገፀ ንሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ብደብዳበ ይቕሬታ ድሕሪ ምሕታቱ እዩ።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ካብ መቐለ ናብቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈፀመ ጄኖሳይድ ሲዒቡ ዕንወት ዝበፅሖ መሰጊድ ኣል ነጋሺ ሓበራዊ ጒዕዞን ዑደትን ኣካዪዶም።

ነቲ ዕንወት ዝተዓዘቡ ፕሬዝዳንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ኢ|ያ ሓጂ ኢብራሂም ቱፏ ፥ ሓዘኖም ድሕሪ ምግላፅ ” ዕዳና ብዙሕ እዩ ” ኢሎም።

ዕንወት መስጊድ ኣል ነጋሺ ብኸመይ ከምዝክሓስ ከቢድ እዩ ዝበሉ ሓጂ ኢብራሂም ቱፏ ንህንፀቱ ብቱኽረት ከምዝስራሕ ቃል ኣትዮም። ንነበርቲ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ፣ ጣብያ ነጋሽ ዝውዕል ልዕሊ 200 ኵንታል እኽሊ እውን ኣረኪቦም።

ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ኢ|ያ  ነቲ ዝዓነወ መስጊድ ኣልነጋሽ ዳግም ንምህናፅ ቃል ምእታዎምን ንፁጉማት ወገናት ሓገዝ ምውሃቦምን ውፂኢት ይቕሬታና እዩ ዝበሉ ድማ ፕሬዝዳንት ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ሼኽ ኣደም ዓብደልቃድር እዮም።

 ሓፈሻዊ ጉዳያት እስልምና ኢ|ያ   ኣብ ከተማ መቐለ ንልዕሊ 3 ዓመታት ተዓቚቦም ዝርከቡ ተፈናቐልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዑደት አካይዱ እዮም።   

ብ#ኤፍሬም_ረደሀይ