Home ዜና ዕድል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ

ዕድል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ

259

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብማሕበር ተወዲበን ዕድል ስራሕ ክረኽባን መነባብሮአን ክልውጣን ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ዓለም ለኸ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ኣፍሊጣ።

እታ ማሕበር ነዚ ዘፍለጠት ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝርከባ ኣርበዓ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ብማሕበር ወዲባ ብልዕሊ 210 ሽሕ ብር ወፃኢ ዓሰርተ ኤሌክትሪክ ሞጎጎ፣ ዓሰርተ ኩንታል ጣፍን ካልኦት መሳርሕታትን ገዚኣ ንኣባላት እታ ማሕበር ኣብ ዘረከበትሉ እዋን እዩ።

እቲ ዝተገበረ ንዋታዊ ሓገዝ ድማ ምስ ምምሕያሽ መነባብሮ ንደቂ ኣንስትዮ ብቐጥታ ዝተኣሳሰረ ከም ዝኾነ ኣደ መንበር ቦርድ ዓለም ለኸ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ሲስተር ኣበራሽ ሕሉፍ ገሊፀን።

ኣባላት እታ ማሕበር ንባዕለን ተለዊጠን ንካልኦት መርኣያ ክኾና ከምዝግባእ ድማ ሲስተር ኣበራሽ ሕሉፍ ወሲኸን ኣገንዚበን።

ዕድል ስራሕ ዝተፈጠረለን መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ውቕሮ ብወገነን ዓለም ለኸ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ማሕበረ ቑጠባዊ ፀገመን ተረዲኣ ንዝገበረትለን ሓገዝ ብምምስጋን መነባብሮአን ንምምሕያሽ ከም ዝሰርሓ ተዛሪበን።

ተወካሊ ከንቲባ ከተማ ውቕሮ ኣይተ ገብረመድህን ፀጋይን ኣደ መንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ውቕሮ ወይዘሮ ማእከለሽ ሃይለማርያምን እተን ሓገዝ ዘተገበረለን ደቂ ኣንስትዮ ለዉጢ መነባብሮ ንኸምፅኣ ክትትልን ደገፍን ክንገብረለን ኢና ኢሎም ።

ዓለም ለኸ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ማይጨው፣ ዓዲ ግራት፣ ዓብይ ዓዲ፣ ዓድዋ፣ ኣክሱምን ሽረን ኣብ ሕድ ሕድ እተን ከተማታት ኣርብዓ ብድምር ሰለስተ ሚኢትን ዒስራን መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ብማሕበር ወዲባ ተመሳሳሊ ዕድል ስራሕ ትፈጥር ከምዘላ ውኡን ኣፍሊጣ

ሚክያስ ታፈረ